ፖሊስ ጀርመን፣ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ገበናት ይፍጽም

Radio Erena: Wednesday, 15 November 2023

ፖሊስ ጀርመን ኣብ ልዕሊ ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን፣ ብኣባላት ፖሊስ ዝፍጸም ጎነጽ፣ ከምኡ’ውን ኣብ መንበሪኦም ኮነ ኢልካ ዝፍጸም፣ ዝበዝሐ ገበናዊ በደላት ከም ዝመዝገበ ገሊጹ።

ኣብ ዓመተ2022 ፖሊስ ጀርመን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ዝፈጸሞ1371 ጉዳያት መጥቃዕቲ ክምዝገብ እንከሎ፣ ክሳብ ወርሒ መስከረም ናይ 2023 ጥራይ እቲ ቁጽሪ ናብ 1515 ደይቡ።

ኣብ መጀመርታ ዓመተ 2023፣ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ኣባይቲ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን 30 ተግባራት ገበን ክፍጽም እንከሎ፣ ካብዚ ነቲ 23 ገበናት ዝፈጸሙ ፖሊስ ኣባላት የማናውያን ጉጅለታት ጀርመን ምዃኖም ይግለጽ።

ኣባል ጸጋማዊ ሰልፊ ክላራ ቡንገር ንማዕከን ዜና DPA ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ “መዓልታዊ ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ስደተኛታት ብፖሊስ መጥቃዕቲ ይበጽሖም፡ ይዋረዱን ይግፍዑን” ኢላ።

ቡንገር፣ መንግስቲ ጀርመን ንስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ዝያዳ ሓለዋ ክገብር፣ ከምኡ’ውን ኣብቲ ዝሓድሩሉ መንበሪ ኣባይቲ ጸጥታ ክመሓየሽ ጸዊዓ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0