“ፖሊስ ኬንያ ኣብ ምህዳን ዝተሰወሩ ተጻወቲ ሃ.ጋ ኤርትራ ተዋፊሮም ኣለው።” ኮሚቴ ሴካፋ

ፖሊስ ኬንያ፣ ነቶም ካብ ሰንበት ንግሆ ኣትሒዞም ተሰዊሮም ዘለዉ ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ምንዳይ ተዋፊሩ ምህላዉ ተገሊጹ።

ኣፈኛ ሴካፋ፣ ሮጀር ሙሊንድዋ ንማዕከን ዜና ካዎዎ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ፖሊስ ኬንያ ነቶም ተሓቢኦም ክህልዉ ዝኽእሉ ክልተ ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ንምድላይ ተዋፊሮም ከምዘለዉ ኣረጋጊጹ።

እቶም ክልተ ኤርትራውያን ኣብ ኬንያ ፖለቲካዊ ዑቕባ ክሓቱ ከምዝኽእሉ’ዩ ዝግልጸ ዘሎ።

 

ኣብ ዝኾነ ዝካየድ ዞባዊ ግጥማት፣ ህድማ ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ንቡር ተርእዮ’ዩ ዝበላ ሓያሎ ማዕከናት ዜና ድማ፣ ኣብዛ ኣብ ኬንያ ኣብ ግጥማ ሴካፋ እትሳተፍ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ክልተ ጥራይ እንተሃዲሞም እቶም ዝተረፍኡ ብምሉልኦም እንተተመሊሶም ከም ዓቢ ዓወት’ዩ ክሕሰብ ክብሉ ኣረዲኦም።

ካብ 2007 ኣትሒዙ ኣብ ዝተኻየደ ሰለስተ ዞባዊ ግጥማት ምስዞም ናይ ትማሊ ብምድር ዛጊት 44 ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ኬንያ፣ ኡጋንዳን ታንዛንያን ዑቕባ ንምሕታት ከምዝተረፉ ይፍለጥ።

=============================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0