ፖሊስ ኬንያ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ስደተኛታት ይሃድኑ

ፖሊስ ኬንያ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ስደተኛታት ይሃድኑ

Radio Erena: 11 March 2016

keny

ፖሊስ ኬንያ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቃድ ዘይብሎም ስደተኛታት ንምህዳን ብዘካየዶ ስርሒት ፣ ኣብ ከተማ ናይሮቢ114 ቀይዱ።

እቶም ሩራካ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፣ ኣብ ገዛውቲ ተዓጽዮም ዝጸንሑ ስደተኛታት መብዛሕቶም ዜጋታት ኢትዮጵያን ናይጀርያን ምዃኖም ፖሊስ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ፖሊስ ኬንያ፣ ነቲ ስደተኛታት ናይ ምህዳን ስርሒት ዘካየደ፣ ድሕሪ’ቲ ካሃዋ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኣብ መንጎ ስደተኛታት ኢትዮጵያን ነበርቲ እቲ ከባብን ብሮቡዕ 9 ለካቲትዝተላዕለ ዕግርግር’ዩ።

 

ብዘይሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ክነብሩ ዝጸንሑ ዜጋታት ኢትዮጵያ፣ ንሓደ መራሒ ናይ ሞቶር ታክሲ -ቦዳ ቦዳ ቀቲሎም ብዝብል ክሲ፣ ህዝቢ’ቲ ከባቢ በባትርን ኣእማንን ከምዘጓየዮም ዝጠቐሰት ጋዜጣ ድይሊ ኔሽን፣ ብምትእትታው ፖሊስ 23 ኢትዮጵያ ካብ ናይ ሞት ሓደጋ ከምዝደሓኑ ኣመልኪታ።

ፖሊስ ነቶም ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ቁጡዕ ስጉምቲ ንምውሳድ ዝተሃንደዱ ነበረቲ ከባቢ ካሃዋ ንምብታን ጠያይቲ ናብ ሰማይ ከምዝተኮሱ’ውን እታ ጋዜጣ ኣፍሊጣ።

እቶም ኢትዮጵያን ሃገራትን እናቆራረጽ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምብጻሕ ብምሕላን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኬንያ ዝኣተዉ ምዃኖም’ዩ ተገሊጹ።

መዓልታዊ፣ ኣማኢት ዜጋታት ኢትዮጵያን ዶባት ኬንያ፣ ታንዛንያን፣ ሞዛምቢክ፣ ዛምብያ፣ ዚምባብዌ ቦትስዋናን ካልኦት ሃገራትን እናቆራረጹ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምእታው ከምዝብገሱ ጸብጻባት ትካላት ስደተኛታት የመልክት።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0