ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝለገሶ ልምዓታዊ ሓገዝ ንመለኽቲ ስርዓታት ከየተባብዕ መተሓሳሰቢ ቀሪቢ

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝለገሶ ልምዓታዊ ሓገዝ ንመለኽቲ ስርዓታት ከየተባብዕ መተሓሳሰቢ ቀሪቢ

Radio Erena: 11 March 2016

EU

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝለገሶ 200 ሚልዮን ኤውሮ ልምዓታዊ ሓገዝ ንመለኽቲ ስርዓታት ዘተባብዕ ከይከውን ሰልፊ ህዝቢ ኤውሮጳ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ኣብ ፓርላማ ኤውሮጳ ዝበዝሑ ኣባላት ዘለዎ ፖለቲካዊ ጉጅለ ነዚ ዘተሓሳሰበ፣ ብዛዕባ’ቲ ሕብረት ኤውሮጳ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝለገሶ ልምዓታዊ ሓገዝ ብዝምልከት ኣብ ፈረንሳ ከተማ ስትራስቦርግ ብሮቡዕ 9 መጋቢት ድሕሪ ዝተኻየደ ኣኣኼባ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ’ዩ።

እቲ ጉጅለ፣ ኣቐዲሙ’ውን እቲ 200 ሚልዮን ኤውሮጳ ቅድሚ ምልጋሱ፣ ኣብ ኤርትራ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ክጽናዕ ዝብልልል ቅድመ ኩነት ኣቕሪቡ ምንባሩ ብምዝክኻር፣ ኮሚሽን ኤውሮጳ ግና ነዚ ዕሽሽ ብምባል፣ እቲ ሓገዝ ንመንግስቲ ኤርትራ ክወሃብ ከምዝወሰነ ወቒሱ።

 

እቲ ንሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ዝካየድ ናይ ጸዓትን ካልእን ፕሮጀክታት ንምትግባር ተባሂሉ ብሕብረት ኤውሮጳ ዝተለገሰ ገንዘብ፣ በቲ ሕብረት ምቁጽጻር ክግበረሉን መንግስቲ ኤርትራ ናብ ዝደለዩ ካልእ መደባት ከዘዋውሮ ከምዘይክእልን ኮሚሽን ኤውሮጳ እኳ እንተረጋገጸ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ እዋን’ቲ ናይ ሓገዝ ስምምዕ ከተግብሮ ምኳኑ መብጽዓ ዝኣተወሉ ጉዳይ ናይ ግዜ ገደብ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላትን ግና ዝተጎስየ ይመስል ክብሉ ሓያሎ ፖለቲኛታት ኤውሮጳ ነቐፌትኦም የስምዑ።

ኣፈኛ ሰልፊ ህዝቢ ኤውሮጳን ኣባል ፓርላማ ኤውሮጳን ዳቮር ኢቮ ስትየር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ዋህዚ ኤርትራውያን ናብ ስደት ይቕጽል ከምዘሎ ብምዝክካር፣ ካብ ህዝቢ ኤውሮጳ ዝተኣከበ ግብሪ ንከም በዓል መንግስቲ ኤርትራ ዝኣመሰሉ መለኽቲ ስርዓታት መሰወዲ ክኸውን የብሉን ኢሉ።

እቲ ክሮኦሽያዊ ፖለቲከኛ ብተወሳኪ፣ ኮሚሽን ኤውሮጳ፣ ንኣተገባብራ ልምዓታዊ ሃገዝ ብዝምልከት ብኣባላት ፓርላማ ዝቐረበ ርእይቶት ብምጉሳይ፣ መበል 11 ልምዓታዊ ሓገዝ ንመንግስቲ ኤርትራ ክወሃብ ምውሳኑ’ውን ነቒፉ።

ሰልፊ ህዝቢ ኤውሮጳ ካብ 27 ኣባላት ሃገራት እቲ ሕብረት ዝተዋጽኡ 215 ኣባላት ፓርላማ ናይቲ ሕብረት ኣለዎ።

ሕብረት ኤውሮጳ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ከካይዶ ድሕሪ ዝጸንሐ ዝርርባ፣ ኣውራ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ምዃኑ ዝንገረሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናይ ግዜ ገደብ ክግበረሉን እቲ መንግስቲ ብትሪ ዝውቐሰሉ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ከኣ ክመሓየሽን ዝብሉ መብጽዓታት ከምዝተኣትወሉ ብምጥቃስ፣ ኣብ ፈለማ ወርሒ ናይዚ ዓመት’ዚ 200 ሚልዮን ኤውሮ ክወሃቦ ከምዝወሰነ ኣይርሳዕን።

ይኹን’ምበር እቲ ስምምዕ ድሕሪ ምኽታሙ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንሃገራዊ ኣገልግሎት ናይ ግዜ ገደብ ክግብረሉ መደብ ከምዘየሎን ኣብ ክንድኡ ግና ንኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ናይ ደሞዝ ወሰኽ ክገብር ምዃኑን ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ምስ ሮይተርስ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ምግላጹ ይዝከር።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0