ፖሊስ ቱርኪ፣ ናይ ሓሶት ፖስፖርት ሒዞም ናብ ሃገራት ኤወሮጳ ንምስጋር ዝፈተኑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 197 ሰባት ቀይዱ

ፖሊስ ቱርኪ፣ ናይ ሓሶት ፖስፖርት ሒዞም ናብ ሃገራት ኤወሮጳ ንምስጋር ዝፈተኑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 197 ሰባት ቀይዱ

Radio Erena: 08 February 2016

pas

ፖሊስ ቱርኪ፣ ናይ ሓሶት ፓስፖርት ሒዞም ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ክሰገሩ ዝፈተኑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 197 ዜጋታት ዝተፈላለየ ሃገራት ከምዝቐየደ ኣፍሊጡ።

እቶም ዝሓለፈ ሰሙን ዝተታሕዙ ኤርትራውያን ዝርከቦም ዜጋታት ዝተፈላለይ ሃገራት፣ ነፍሲ ወከፎም፣ ነቲ ናይ ሓሶት ፓስፖርት ብኣስታት 15 ሽሕ ዶላር ካብ ደላሎን ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲን ከምዝገዝእዎ ፖሊስ ቱርኪ ብ4 ለካቲት ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ጠቒሱ።

ማዕከን ዜና ደይሊ ሳባሕ ኣብ ዝዘርግሖ ተወሳኺ ሓበሬታ ከኣ፣ ፖሊስ ቱርኪ ኣብ ርእሲ’ቶም ዝሓዞም ስደተኛታት፣ ፓስፖርት ኣብ ምሽጣን ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታትን ክነጥፉ ዝጸንሑ ሰባት ኣብ ቀይዲ የእቱ ይርከብ።

 

ናይ ካልኦት መንነት ዘለዎን ወይ ከኣ ዝተሰነዐ ፓስፖርት እናተጠቕሙ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣማኢት ስደተኛታት ብመንገዲ ቱርኪ፣ ኢጣልያን ካልኦትን ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ብምእታዊ ዑቕባ ክሓቱ ጸኒሖም’ዮም።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ ከተማ ፓሪስ ዘጋጠመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፣ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ብዝተሰነዐ ፓስፖርት ወይ ከኣ ናይ ካልእ መንነት ዝተጻሕፎ ፓስፖርት እናሸጥካ ዝግበር ምስግጋር ስደተኛታት ንምቁጽጻር፣ ኣብ መዓርፎ ነፍርቲ ጽዑቕ ምክትታል ይገብራ ምህላወን ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኢጣልያን ጀርመንን ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ተዋፊሮም ጸኒሖም ንዝበልኦም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ብውሕዱ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝቐየዳ ይግለጽ ኣሎ።

ንካልኦት ሓያሎ’ውን ይከታተልኦም ከምዘላ ካብ ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ኢጣልያ ዝወጸ ሓበሬታ የመልክት።

======================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0