ፖሊስ ሱዳን፣ ኣብ ትሕቲ ጨወይቲ ንዝጸንሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት ሓደ ሚእቲ ስደተኛታት ናጻ ኣውጺኡ

ፖሊስ ሱዳን፣ ኣብ ትሕቲ ጨወይቲ ንዝጸንሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት ሓደ ሚእቲ ስደተኛታት ናጻ ኣውጺኡ

Radio Erena: 11 September 2018

handcuffፖሊስ ሱዳን፣ ኣብ ትሕቲ ብገበን ዝሕተቱ ጨወይቲ ንዝጸንሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት ሓደ ሚእቲ ስደተኛታት ናጻ ከምዘውጸአ፣ ኢንተርፖል ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ኢንተርፖል ኣብ ከተማ ሊዮን ፈረንሳ ካብ ቀዋሚ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዘመሓላለፎ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፣ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ ስርሒት ህይወት ኣድሕን፣ ተጨውውዮም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሱዳን ዝነበሩ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ናጻ ከምዝወጹ ኣመልኪቱ።

እቲ ብዕለት 10 መስከረም ዝወጸ ሓበሬታ፣ 85 ካብቶም ኣብ ትሕቲ ጨወይቲ ዝጸንሑ ስደተኛታት ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ምንባሮም የነጽር።

 

ኣብዚ ፖሊስ ሱዳንን ኢንተርፖልን ብምትሕብባር ዘካየዱዎ መርበብ ጨወይትን ኣሰጋገርትን ናይ ምብታኽ ስርሒት፣ 2 ደቂ ተባዕትዮን 12 ደቀንስትዮን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ። ኣምሳያ ጅሆ ዝተታዙ ዝተኸፍለ፣ ልዕሊ 20 ሽሕ ዶላር እውን ኣብቲ ዝተኻየደ ስርሒት ተረኺቡ’ሎ።

ጅሆ ተታሒዞም ቤተሰቦም ገንዘብ ክኸፍሉሎም ዘይከኣሉ፣ ብፍላይ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት፣ ኣብ ከም ዕደናን ካልእ ናይ ጉልበት ስራሕን ኣዋፊሮሞም ከምዝነበሩ’ዩ ዝግለጽ።

ካብቶም ተጨውዮም ዝነበሩ ደቂ 10 ዓመት ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዝርከብዎም ስደተኛታት ዜጋታት ኤርትራ፣ ጫድ፣ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ከምኡ’ውን ኒጀር እዮም።

ዳይረክተር ኣህጉራዊ ትካል ፖሊስ ኢንተርፖል ቲም ሞሪስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እቶም ተጨውዮም ዝጸንሑ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ምዃኖም፣ እቲ መርበብ ጨወይቲ ዝተወሃሃደ ምዃኑ ዘርእይ’ዩ፣ ስለዚ እዩ ከኣ ምትሕብባር ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ኣገዳሲ ዝኸውን’ ክብል መግለጺ ሂቡ።

ኣብቲ ‘ሳዊያን’ ዝተሰምየ ስርሒት ህይወት ኣድሕን፣ ኣስታት 200 ፖሊስ ሱዳንን ኣባላት ኢንተርፖልን ተሳቲፎም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0