ፖሊሲ ምፍራስ ኣባይቲ መንግስቲ ኤርትራ ንከተማ ሓጋዝ’ውን ኣረኻኺቡላ

Radio Erena: 13 April 2017

HAGAZ

መንግስቲ ኤርትራ፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ኤርትራ ከካይዶ ዝጸንሐ ምዕናይ ኣባይቲ፣ ኣብ ሓጋዝ ሓያሎ ኣባይቲ ከምዘዕነወ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ኣባይቶም ክዓኑ ምዃኑ ዝተሓበሮም ስድራቤታት፣ ባዕሎም ክወጹ ናይ ዓሰርተ መዓልታት መጠንቐቕታ ከምዝተዋህቦም ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ዝበዝሑ እቶም ስድራቤታት ነቲ ናይ ምፍራስ ፖሊሲ ብምቅዋም ካብ ቤቶም ከይወጹ’ዮም ጸኒሖም።

ብ10 ሚያዝያ ሓያሎ መንበሪ ኣባይቲ ብዶዘራት ኣብ ዝዓነወሉ፣ ህዝቢ ሓጋዝ ተቓውሞ ከየለዓዕል መንግስቲ ኣብታ ከተማ ኣባላት ሰራዊት ከምዘዋፈረ’ውን ገሊጾም።

ክዓኑ ምዃኑ ምልክት ዝተገብረሉ ሓያሎ ገዛውቲ’ውን ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ህጻናትን ቆልዑን ዝሓቖፋ ልዕሊ 100 ስድራቤታት ብዘይመጽለሊ ተሪፎም ምህላዎም ኣገንዚቦም።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት፣ ዋላ’ውን ኣብቲ ብሕጋዊ መንገዲ ዝተዓደለ መሬት፣ ብዘይፍቓድን ትእዛዝን ተሰሪሑ ብምባል ብደረጃ ሃገር ኣሽሓት መንበሪ ኣባይቲ ኣዕንዩ ከዕኑ እንከሎ፣ ብገንዘብ ድማ 10ታት ሚልዮናት ይበጽሕ።

ኣባይቶም ዝፈረሶም ስድራቤታት ገሊኦም ምስ መቕርቦም ክጽግዑ እንከለዉ፣ እቶም ዝበዝሑ ግና ብዘይ መጽለሊ ተሪፎም ግዳያት ህሉው ኩነታት ክራይ ኣባይቲ ኮይኖም ይርከቡ።

ስእሊ፣ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0