ብሕ/ሃ ዝተመዘዘ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ብዛዕባ እዋናዊ ኩነታት ኤርትራን ሶማልያን ዝምልከት ጸብጻብ ናብ ባይቶ ጸጥታ ከቕርብ’ዩ

Radio Erena: 13 April 2017

ESMG UN

ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ኤርትራን ሶማልያን፣ ብዛዕባ እዋናዊ ኩነታት ኤርትራን ሶማልያን ዝምልከት ጸብጻብ ናብ ባይቶ ጸጥታ ከቕርብ’ዩ።

እቲ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሎሚ 13 ሚያዝያ ኣብ ዘቕርቦ ጸብጻብ፣ ብዛዕባ’ቲ ኤርትራ ካብ ሰሜን ኮርያ ንምሽማት ዝሃቀነቶ ወትሃደራዊ ንዋት ዝርዝራዊ ሓበሬታ ክህብ ትጽቢት ይግበረሉ።

ኣብ ማሊዥያ ዝርከብ ምስ ሰሜን ኮርያ ምትእስሳር ዘለዎ ትካል፣ ዝተፈላለየ ወትሃደራዊ ሬድዮ ርክባት ናብ ኤርትራ ንምሻጥ ኣብ ዝፈተነሉ ከምዝተታሕዘ ኮሚተ እገዳ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መጀመርያ ናይዚ ወርሒ ናይዚ ዓመት’ዚ ምግላጹ ይዝከር።

ምምሕዳር ትራምፕ’ውን ኣብ 30 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያን ካብኣ ወትሃደራዊ ንዋት ንዝሸመተ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራን እገዳ ኣጽኒዑ’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቲ ብኮሚተ እገዳ ዝተዋህበ ሓበሬታ ይኹን ብምምሕዳር ትራምፕ ዝወጸ መግለጺ፣ ንኤርትራ ንምድኻም ኮነ ተባሂሉ ዝተኣልመ ሓሶት’ዩ ክብል’ዩ ነጺግዎ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0