ፕ. ደቡብ ሱዳን ምቅይያር ሚኒስተራት ኣካዪዱ

ፕ. ደቡብ ሱዳን ምቅይያር ሚኒስተራት ኣካዪዱ

Radio Erena: 26 August 2018

 gathothፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ማያርዲት፣ ሚኒስተር ዕዮን ሰብኣዊ ዓቕምን ንዝነበረ ጀነራል ጋቶዝ ሆትንያንግ ካብ ስልጣኑ ኣውሪዱዎ።

እቲ ፕረዚደንት ብዓርቢ 24 ነሓሰ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኤስ.ፒ.ኤል.ኤ ንዝነበረ ጀነራል ሆዝ ማይ ሓድሽ ሚኒስተር ዕዮን ሰብኣዊ ዓቕምን ገይሩ ሸይሙዎ ኣሎ።

ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ከምዘመልክቶ፣ እቲ ፕረዚደንት ነዚ ናይ ሚኒስተራት ምቅይያር ዝገበረሉ ምኽንያት ወግዓዊ መብርሂ ኣይሃበን። እንተኾነ እዚ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ ዘሎ ሚኒስተር ነበር፣ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ምኽትል ፕረዚደንት ፖለቲካዊ መጥቃዕቲ ክገብር ሓገዝ ገለ ወገናት ክሓትት ምጽንሑ ይግለጽ።

እቲ ሚኒስተር ነበር፣ ምኽትል ፕረዚደንት ታባን፣ ኣብ ዙርያኡ ካብ ዓሌቱ ዝኾኑ ተወላዶ ጥራይ ብምትእኽኻብ፣ ኣብ 2022 ንዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክዕወት ባይታ የጣጥሕ ኣሎ ክብል’ዩ ክኸስስ ጸኒሑ።

ጋቶዝ ሆትንያንግ ብጉድለት ዲሲፕሊን ዝርከቦም ሓያሎ ውልቃዊ ባህርያቱ ብተደጋጋሚ ክኽሰስ ምጽንሑ ምንጭታት ዜና ካብ ደቡብ ሱዳን የመልክቱ።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0