‘ፕ.ኬንያታ ናብ ፍርዲ ክቐርብ ውሳኔ ኣየሕለፍኩን’፣ ዳኛ ማርታ ካራምቡ

Radio Erena: 12 June 2022

ላዕለዋይ ዳኛ ኬንያ፣ ፕረዚደንት እታ ሃገር ናብ ፍርዲ ክቐርብ ውሳኔ ኣሕሊፋ ተባሂሉ ዝተዘርገሐ ዜና፣ ሓቅነት የብሉን ኢላ።

እታ ላዕለዋይ ዳኛ ብመንገዲ ጠበቓኣ ኣብ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ፣ ፕረዚደንት ኬንያታ፣ ዳኛታት ቤት ፍርዲ ኣብ ዝመዘዘሉ እዋን ዝተኸተሎ ሜላ፣ ካብ ቅዋም’ታ ሃገር ወጻኢ ብምዃኑ ክእረም ኣለዎ ዝብል ርእይቶ ከምዝሃበት ብምዝኽኻር፣ ብማዕከናት ዜና ኬንያ ዝተዘርገሐ ዜና ግና መርትዖ ዘይብሉን ካብ ሓቂ ዝረሓቐን እዩ ኢላ።

ፕረዚደንት ኬንያታ፣ ብኣረኣእያ ንዝሰማምዑዎ ዳኛታት ምምራጹ፣ ንቅዋም’ታ ሃገር ዝጥሕስ፣ ናጽነት ፍርዳዊ ኣካል ዝግህስን፣ ባዕሉ ፈጻሚን ፈራዲን ንክኸውን ስልጣን ዘመቻችእን እዩ ብምባል፣ ዳኛ ማርታ ካራምቡ፣ ካብ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣትሒዛ ክትቃወሞ ምጽናሓ፣ ጠበቓኣ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኬንያታ፣ ንዓንቀጽ 3ን 166ን ናይ ቅዋም ስለዝጠሓሰ፣ ካብ ዝኾነ ይኹን ተሓታትነት ናጻ ዝገብሮ መንገዲ እዩ ተጠቒሙ ብምባል እያ እታ ዳኛ ትኸስስ።

ኬንያ፣ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንምክያድ ኣብ እትሸባሸበሉ ዘላ እዋን፣ ማሕበራዊ ሜድያታት እታ ሃገር፣ ብጎስጓሳት የዕለቕሊቖም፣ ማዕሪኡ ከኣ ናይ ሓሶት ዜናታት፣ ንጽልእን ናዕብን ዘለዓዕሉ ወረታትን ዓሌትነትን የስፋሕፍሑ ኣለዉ ክብል መንግስቲ’ታ ሃገር መጠንቀቕታታት ይህብ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0