ፕ.ኣዘርባዥያን፣ ውልቀ መላኺ ክብሉ ኣብ ልዕሊ ዝገለጽጽዎ ጋዜጠኛታት ዝመስረቶ ክሲ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፈረንሳ ተነጺጉ

ፕ.ኣዘርባዥያን፣ ውልቀ መላኺ ክብሉ ኣብ ልዕሊ ዝገለጽጽዎ ጋዜጠኛታት ዝመስረቶ ክሲ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፈረንሳ ተነጺጉ

Radio Erena: 09 November 2017

 prezident alieyehፕረዚደንት ኣዘርባዥያን ኢልሃም ኣሊየቭ፣ ውልቀ መላኺ ክብሉ ኣብ ልዕሊ ዝገለጽጽዎ ክልተ ፈረንሳውያን ጋዜጠኛታት ዝመስረቶ ክሲ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፈረንሳ ተነጺጉ።

እቶም ፍራንስ 2 ናይ ዝተባህለ መደበር ቴሌቪዥን ጋዜጠኛታት ዝኾኑ ሓደ ወዲተባዕታይን ሓንቲ ጓለነስተይትን፣ ፕረዚደንት ፈረንሳ ነበር ፍርንስዋ ኦላንድ ኣብ 2015 ናብ ኣዘርባዥያን ዑደት ኣብ ዘካየደሉ እዋን፣ ኣብ ዘዳለውዎ መደብ’ዮም፣ ንፕረዚደንት ኣዘርባዥያን ውልቀ መላኺ ክብሉ ገሊጾሞ።

 

ፕረዚደንት ኣላየቭ፣ ‘ንስመይን ስም መንግስተይን ኣጸሊምኩም’ ክብል ድሕሪ ዝመስረቶ ክሲ፣ እቲ መስርሕ ኣብ ቤት ፍርዲ ፈረንሳ ንክልተ ዓመታት ክርአ ጸኒሑ።

እቲ ቤት ፍርዲ ብ7 ሕዳር ኣብ ዝሃቦ ውሳኔ ግና፣ ፈረንሳ፣ ሕጊ ፕረስ ዘለዋ ሃገር ስለዝኾነት፣ ዝኾነ ዓይነት ፖለቲካዊ ሰንሰርሺፕ ከምዘይተተኣናግድ ብምግላጽ፣ ነቲ ብፕረዚደንት ኣዘርባዥያን ዝተመስረተ ክሲ ውዱቕ ጌርዎ።

ሓደ ካብቶም ጋዜጠኛታት ድሕሪ’ቲ ናይ ቤት ፍርዲ ውሳኔ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ብይን፣ መንግስቲ ኣዘርባዥያን ካብ ሃገሩ ወጻኢ ንሜድያታት ሳንሱር ክገብር ከምዘይክእል ምሂርዎ ክኽወን ተስፋ እገብር ኢሉ።

ፕረዚደንት ኢልሃም ኣሊየቭ፣ ኣብ 2003 ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ፕረዚደንት ኣዘርባዥያን ኮይኑ ድሕሪ ምዕዋቱ፣ ን14 ዓመታት ነታ ሃገር ይመርሓ ኣሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0