ኣብ ሊብያ ልዕሊ 4 ሽሕ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቅባ ከምዘለው UNHCR ገሊጹ

ኣብ ሊብያ ልዕሊ 4 ሽሕ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቅባ ከምዘለው UNHCR ገሊጹ

Radio Erena: 08 November 2017

Libya UNHCR

ኤርትራ፣ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ እታ ዜጋታታ ብብዝሒ ኣብ ሊብያ ዑቕባ ዝሓቱ ዘለዉ ሃገር ምዃና ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ካብ ሊብያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ካብ 1 ሕዳር ኣትሒዙ ኣብ ሊብያ 43 600 ስደተኛታት ከምዘለዉ ብምርግጋጽ፣ እቶም 34,226 ገና ሓተቲ ዑቕባ ምዃኖም ኣስሚርሉ።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፣ ኣብ ሊብያ ካብ ዝርከቡ ሓተቲ ዑቕባ፣ ብብዝሒ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስርዑ ብ21,659 ዜጋታት ሶርያ ክኾኑ እንከለዉ፣ ዜጋታት ኤርትራ ድማ ብ4261 ኣብ ካልኣይ ደረጃ ይሕዙ።

ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ሊብያ በዚ ብዝሒ’ዚ ካብ ካልኦት ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ክስርዑ እንከለዉ፣ ንኤርትራ ስዒቦም ከኣ ዜጋታት ሱዳንን ሶማልን ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃታት ሒዞም ይርከቡ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0