”ፕ. ኢሳይያስ፣ ሕማቕ ኣብነት መራሕቲ” ጋዜጣ ሊበራስዮን

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ካብ፣ ሕማቕ ኣብነት መራሕቲ ኣፍሪቃ’ዩ ክትብል ጋዜጣ ሊበራስዮን ገሊጻቶ።

    እታ ጋዜጣ፣ ካብ ህዝባዊ ጅግና ናብ ዕሉል ውልቀ መላኺ ዝተሰጋገረ መራሒ ኣፍሪቃዊት ሃገር ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ እቲ ፕረዚንደት፣ ሓደ እዋን ከም ሞዴል መራሕቲ ኣፍሪቃ ክኸውን’ዩ ዝብል ትጽቢት ብዙሓት ምንባሩ ኣረዲኣ።

    እንተኾነ ኤርትራ 20 ዓመት ናጽነታ ኣብ ዝጸንበለትሉ፣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ካብቶም ብሕማቕ ኣብነት ዝጥቐሱ ኣብዚ እዋን’ዚ ንሃገራት ኣፍሪቃ ንልዕሊ 20 ዓመት ዘመሓድሩ ዘለዎ መራሕቲ፣ እቲ ዝበኣሰ ኮይኑ ምህላዉ ኣገንዚባ።

    ንኤርትራ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ተነጽሎ ሸሚሙ፣ ሰሜን ኮርያ ናይ ኣፍሪቃ ከምእትኸውን ዝገበረ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ስልጣን ናይ ምስግጋር ኮነ ምርጫ ናይ ምክያድ ዝኾነ መደብ ከምዘይብሉ’ዩ ዝገልጽ።

    ምስ ኣልጀዚራ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ’ውን፣ ምርጫ ከምዘየካየድ ብወግዒ ዝሓበረ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ነታ ቅድሚ 10 ዓመት ጽቡቕ ገስጋስ ተርኢ ዝነበረት ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ዝተሓተ ደረጅኣ ኣውሪዱዋ ምህላዉ’ዩ ዝንገረሉ።

    ብሰንኪ ምምሕዳር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ድማ ኤርትራ እቲ ኣውራ ዝተሃስየቶ ጉዳይ፣ ዋሕዚ ብቑዕን ሞያውን ዓቕሚ ሰብ ናብ ስደት ምዃኑ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0