ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ፣ ኣብ ታሪኽ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ እቲ ዝበለጸ፣ ናይ ግራንድ ቱር ናይ መድረኽ ዓወት ተጓናጺፉ

ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ፣ ኣብ ታሪኽ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ እቲ ዝበለጸ፣ ናይ ግራንድ ቱር ናይ መድረኽ ዓወት ተጓናጺፉ

Radio Erena: 29 August 2017

merhawi_kudusኣብ ስጳኛ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቅድድም ብሽክለታ ቮልታ ስጳኛ፣ ኤርትራዊ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ፣ ኣብ ታሪኽ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ እቲ ዝበለጸ፣ ናይ ግራንድ ቱር ናይ መድረኽ ዓወት ተጓናጺፉ።

እዚ ምስ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ዳይመንሽን ዳታ ዝቐዳደም ዘሎ መርሃዊ፣ ብ23 ነሓሰ ኣብ ዝተኻየደ፣ 175.7 ኪሎሜተር ዝሸፈነ ሓሙሻይ መድረኽ ቅድድም ቮልታ ስጳኛ፣ ካብ 193 ተቀዳደምቲ ካልኣይ ተርታ ሒዙ ንውድድሩ ድሕሪ ምፍጻሙ’ዩ፣ ነዚ ኣብ ታሪኽ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፣ ብኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ተታሒዙ ዝጸንሐ ናይ ግራንድ ቱር ናይ መድረኽ ዓወት ክሰብር ዝኸኣለ።

መርሃዊ ቅዱስ፣ ዓወታቱ ብዝያዳ ንምምሕያሽ ውጥን እኳ እንተነበሮ፣ ብዓርቢ 25 ነሓሰ ኣብ ዝተኻየደ መበል ሻብዓይ መድረኽ ብሰንኪ ዘጓነፎ ናይ ምውዳቕ ሓደጋ ካብ ቅድድም ቮልታ ስጳኛ ተኣልዩ ኣሎ።

 

መርሃዊ ኣብቲ ዘጋጠሞ ናይ ምውዳቕ ሓደጋ፣ ኣብ ብርኩ፣ ገጹን ግንባሩን ብዝወረዶ ማህሰይቲ ናብ ሆስፒታል እኳ እንተተወስደ፣ ዘሻቕል መስበርቲ ዓጽሚ ይኹን ከቢድ መጉዳእቲ ከምዘይወረዶ ግና ክረጋገጽ ክኢሉ ኣሎ።

===================  

COMMENTS

WORDPRESS: 0