ፕሮፌሰር ሃርቫርድ ዩኒቨርሲቲ ክላውድያ ጎልዲን፣ 3ይቲ ጓለንስተይቲ ተዓዋቲት ሽልማት ኖቤል ስነ ቁጠባ ኮይና

Radio Erena: Friday, 13 October 2023

ፕሮፌሰር ሃርቫርድ ዩኒቨርሲቲ ክላውድያ ጎልዲን ናይ 2023 ተዓዋቲት ሽልማት ኖብል ስነ ቁጠባ ብሙኻን ሽልማት ዓቲራ።

እቲ ትማሊ ሰኑይ 9 ጥቅምቲ ንፕሮፌሰር ሃርቫርድ ዩኒቨርሲቲ ክላውድያ ጎልዲን፣ ንዓሰርተታት ዓመታት ብዛዕባ ፍልልይ ደሞዝ ኣብ ጾታ ንምጽናዕ ዝገበረቶ ስራሕ ብምሙጓስ ዝተዋህበ ስልማት፣ነቲ ኣብ ኮሚቴ ስልማት ኖቤል ውን እንተኾነ ዘሎ፣ ናይ ጾታ ዘይምዕሩይነት ንምዕጻው ንእሽቶ ስጉምቲ እዩ ተባሂሉ ።

ጎልዲን ካብ 93 ተሸለምቲ ኖቤል ስነ-ቑጠባ፣ ሳልሰይቲ ጓለንስተይቲ ጥራይ እያ።

ንሳ ኣብ ዝገበረቶ መጽናዕቲ፣ ተሳትፎ ደቂንስትዮ ኣብ ስራሕ ዋላ’ኳ ቀጻሊ ዕብየት እንተርኣየ፣ እተን ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ዝበጽሓ ውን እንተኾነ ፣ ደሞዝ ደቂ ኣንስትዮ ምስ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ክሳብ ሕጂ ምፍልላይ ኣሎ ትብል።

ምሉእ ግዜ፣ ዓመት ምሉእ ዝሰርሓ ደቂንስትዮ፣ ካብቲ ደቂ ተባዕትዮ ዝኽፈልዎ ክፍሊት ብገምጋም 83.7% ይኽፈላ። እዚ ዘይምዕሩይነት እዚ ኣብ ጸለምቲ ደቂንስትዮ ዝያዳ ይዓቢ።

ስልማት ኖቤል ስነ ቑጠባ ኣብ 2009 ንፈለማ እዋን ንኣመሪካዊት ምህርቲ ስነ ፍልጠት ፖለቲካ ኤሊኖር ኤስትሮ ክወሃብ ከሎ፣ ኣብ 2019 ድማ ንፕሮፌሰር ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ማሳቹሰትስ ኤስተር ዱፍሎ ተዓዲሉ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0