ፕሮጀክት ዕደና ዛራ፣ ኣብ መወዳእታ 2015 ፍርያቱ ናብ ዕዳጋ ከቕርብ’ዩ

ፕሮጀክት ዕደና ዛራ፣ ኣብ መወዳእታ 2015 ፍርያቱ ናብ ዕዳጋ ከቕርብ’ዩ

Radio Erena: 28 May 2015

zara

ፕሮጀክት ዕደና ዛራ፣ ኣብ መወዳእታ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት እዚ ፍርያቱ ናብ ዕዳጋ ከቕርብ ትጽቢት ከምዘሎ ተገሊጹ።

እዚ 60 ሚእታዊት ብሃገራዊ ኩባንያ ዕደና ቻይና – SFECO 40 ሚእታዊ ድማ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝውነን ፕሮጀክት ዕደና ዛራ፣ ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ብድሆታቱ፣ ኣብ ምህናጽ ትሕተ ቅርጺ ምጓዓዝያን እኹል ቀረበ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ምንባሩ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ዕደና ዛራ፣ ኣብ መወዳእታ ናይ 2015 ናይ ወርፊ ፍርያቱ ናብ ዕደጋ ከቕርብ እንተኽኢሉ፣ ብብዝሒ ፍርያት ድሕሪ ቢሻ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ክስራዕ’ዩ።

 

ሃገራዊ ዕደና ኩባንያ ቻይና ን60 ሚእታዊት ዋንነት ናይቲ ፕሮጀክት ኣብ 2012 ካብ ናይ ኣውስትራልያ ኩባንያ ቻላይስ ብ114 ሚልዮን ዶላር ከምዝዓደጎ ይዝከር።

============================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0