ኣመሪካ፣ ንሱዳን ኣብ ጸጥታ ወደብ ክትሕግዛ ቅርብቲ ምህላዋ ኣፍሊጣ፣ 50 ሽሕ ቶን ናይ እኽሊ ረዲኤት ለጊሳ

ኣመሪካ፣ ንሱዳን ኣብ ጸጥታ ወደብ ክትሕግዛ ቅርብቲ ምህላዋ ኣፍሊጣ፣ 50 ሽሕ ቶን ናይ እኽሊ ረዲኤት ለጊሳ

Radio Erena : 29 May 2015

USaid

ኣመሪካ፣ ንሱዳን ኣብ ጸጥታ ወደብ ክትሕግዛ ቅርብቲ ምህላዋ ኣፍሊጣ።

ሓላፊ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ኣመሪካ ስቴቨን ፖወል ዝመርሖ ልኡኽ ኣብ ሱዳን ዑደት ብምክያድ፣ ኣመሪካ ኣብ ጸጥታ ባሕርን ካልእ ጉዳያትን ምስ ሱዳን ክትገብሮ ንእትደሊ ሓገዝ ብዝምልከት ብሮቡዕ 27 ግንቦት ምስ ሰበ ስልጣን ሱዳን ዘትዩ።

እቲ ዘተን ዝርርባትን ንመጻኢ’ውን ክቕጽል ምዃኑ ሓላፊ ኣገልግሎታት ወደብ ሱዳን ጃላላ ለ ዲን መሓመድ ሹልያ ገሊጹ።

 

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ መንግስቲ ኣመሪካ ንህዝቢ ዞባ ምብራቕ ሱዳንን ዳርፉርን ዝውዕል 50 ሽሕ ቶን ናይ እኽሊ ረዲኤት ንሱዳን ለጊሳ።

እቲ 53 ሚልዮን ዶላር ዝተገመተ ናይ እኽሊ ረዲኤት፣ ብሰሉስ26 ግንቦት ኣብ ፖርት ሱዳን ተራጊፉ።

መንግስቲ ኣልበሽር ምስ ኣመሪካ ዝጸንሐ ሓርፋፍ ዝምድና ናብ ንቡር ንምምላስ ሓያሎ ዲፕሎማስያዊ ጻኦርታት ኣብ ምክያድ ይርከብ።

ኣመሪካ’ውን ኣብ ጉዳይ ሱዳን ዝጸንሐ ኣታሕዛ ከተፉክስ ትርአ እኳ እንተላ፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ መንግስቲ ዘንበረቶ እገዳ ግና ምሉእ ብምሉእ ኣየሎኣለቶን።

ኣብ ካልእ ናይ ሱዳን ዜና፣ መንግስቲ ኣብታ ሃገር ዝነጥፋ ዘለዋ ቻይናውያን ሰራሕተኛታት ዕደና ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ካብታ ሃገር ክወጹን ከምዝኣዘዘ ቻይና ታይምስ ሓቢሩ።

እቶም ቻይናውያን ሰራሕተኛታት ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ካብ ሱዳን እንተዘይወጺኦም፣ ክእሰሩ ምዃኖም’ውን እቲ መንግስቲ ኣጠንቒቒ።

ብሰንኩ ድማ ኣብ ሱዳን ዝርከባ ሓያሎ ኩባንያታት ዕደና ቻይና ንጥፈታተን ተሰናኺሉ ከምዘሎ እቲ ምንጪ ጠቒሱ።

ሱዳን፣ ቻይናውያን ሰራሕተኛታት ዕደና ኣብ ዝሓጸረ ክወጹ ዝኣዘዘትሉ ምኽንያት ዛጊት ኣይተነጸረነ።

መንግስቲ ሱዳን ይኹን መንግስቲ ቻይና’ውን ብዛዕባ’ዚ ዝኾነ መብርሂ ኣይሃቡን።

==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0