ፕረደዚንት ሱዳን ፣ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ብዶባት ዝካየድ ንግዲ ክቕጽል ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ

ፕረደዚንት ሱዳን ፣ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ብዶባት ዝካየድ ንግዲ ክቕጽል ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ

Radio Erena: 08 February 2018

bashirፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ምስ ኩለን ጎረባባቲ ሃገራት ብዶባት ዝካየድ ንግዲ ክቕጽል ትእዛዝ ከምዘመሓለላፈ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን- ሱና ሓቢሩ።

እቲ ኣገልግሎት ዜና ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፣ እቲ ፕረዚደንት ብዶባት ዝካየድ ንግዲ ክቕጽል ንኹሎም ዝምልከቶም ሰበ ስልጣን መንግስቲ መምርሒ ዝህብ ዘሎ ዘይሕጋዊ ንግዲ ንምቁጽጻር ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ፕረዚደንት ሱዳን ኣብቲ ምክትል ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚኒስተርን በክሪ ሓሰን ሳልሕ ዝርከቦም ኣባላት ኮሚቴ ምቁጽጻር መጠን ሸርፊ ኣብ ዝተረኽብሉ፣ ብ5 ለካቲት ዝተኻየደ ፍሉይ ኣኼባ ኣብ ዘሕለፎ ውሳኔ፣ ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋዊ ንግድን ምስግጋር ናይ ወጻኢ ባጤራን ወርቅን ጽኑዕ ምክትታልን ቁጽጽርን ክካየድ ኣዚዙ።

ሚኒስተር ንግዲ ሱዳን ሓተም ኣል ሲር ድሕሪ’ቲ ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ዘካየድዎ ርክብ ኣብ ዝሃቦ ተወሳኺ መብርሂ፣ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብዶባት ዝካየድ ንግዲን ምስግጋር ገንዘብን ንምቁጽጻሩ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ምስ ኣምሓደርቲ ዞባታት ኣኼባ ክካይድ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ሚኒስተር ፋይናንስ ዶክተር ዓብዱል ራሕማን ድራር ብወገኑ፣ ብዛዕባ ኮንትሮባንድ ወይ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝካየድ ንግዲን ምስግጋርን ሓድሽ ሕጋጋት ክወጽእ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ፕረዚደንት ሱዳን፣ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ብዶባት ዝካየድ ንግዲ ክቕጽልን ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ንግድን ምስግጋር ናይ ወጻኢ ባጤራን ድማ ጽኑዕ ምቁጽጻር ክግበረሉን ትእዛዝ ዘመሓላልፍ ዘሎ፣ እታ ሃገር መጠን ሸርፊ ናይ ወጻኢ ባጤራ ብ34% ክብ ድሕሪ ምባላ’ዩ።

ብወገን ኤርትራ ዝካየድ ዘይሕጋዊ ንግድን ምስግጋር ባጤራን ከተማርር ዝጸንሐት ሱዳን፣ ምስ ምድልዳል ስልታዊ ዝምድና መንግስታት ኤርትራን ግብጽን ተደሚሩ፣  ምስ ኤርትራ ዘዋስና ዶባት ዓጽያ ከምዘላ ይፍለጥ።

ድሕሪ ምዕጻው ዶብ ኤርትራን ሱዳንን፣ ናብ ኤርትራ ዝተበገሳ ሓያሎ ዓበይቲ መካይን ምስ ጽዕነተን ተዓጊተን ምንባረን ይዝከር።

ፖሊስ ዞባ ከሰላ ድሕሪ ዘካየዶ ፈተሻ ድማ፣ መለለዩ ቁጽሪ ወይ ታርጋ ኣብ ዘይጸንሐን መካይን ዝተጻዕነን ብዘይሕጋዊ ንግዲ ናብ ኤርትራ ንምስጋር ዝተሓስበን’ዩ ዝበሎ ብርክት ዝበለ ሃለኽቲ ነገራት ከምዝሃገረ ኣይርሳዕን።

====================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0