ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል፣ ንስምምዕ ምስጓግ ስደተኛታት ንምኹናን ንኻልኣይ እዋኖም ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል፣ ንስምምዕ ምስጓግ ስደተኛታት ንምኹናን ንኻልኣይ እዋኖም ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

Radio Erena: 08 February 2018

 eri in isrl demoኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ርዋንዳን እስራኤልን ዘካይድኦ ዘለዋ ስምምዕ ምስጓግ ስደተኛታት ንምኹናን ኣብ ክልተ ቅነ፣ ንኻልኣይ እዋኖም ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቶም ኣማኢት ኤርትራውያን ትማሊ 7 ለካቲት ኣብ ዘካይድዎ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ፍቓድ ኣውጽኦም ክነሶም ናብ ቀጽሪ ኤምባሲ ርዋንዳ ከይቀርቡ ፖሊስ እስራኤል ክኽልክልዎም ከምዝፈተኑ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ቴልኣቪቭ ሓቢሮም።

ፖሊስ እስራኤል ኣብ ጎኒ’ቶም ኤርትራውያን ተሰሊፎም ዝቃወሙ ንዝነበሩ እስራኤላውያን ጥራይ ናብቲ ቀጽሪ ብምፍቃዶም፣ ሓያሎ ካብቶም ኤርትራውያን ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ናይ ሕብሪ ቆርበት ኣድልዎ ንምግላጽ፣ ንገጾም ብጻዕዳ ሕብሪ ከምዝለኽይዎ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ኣብቲ ናይ ትማሊ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ዝተረኽቡ ኣማኢት ኤርትራውያንን ተደናገጽቲ እስራኤላውያንን፣ እስራኤል መሸጣ ደቂ ሰብ ደው ከተብልን ርዋንዳ ድማ ምእንቲ ገንዘብ ክትብል ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኣህጉር ኣፍሪቃ ታሪኻዊ በደል ከይትፍጽምን ጸዊዖም።

ንሳቶም ኣብ 22 ጥሪ’ውን፣ ኣተኩሮ ማሕበረሰብ ዓለምን ማዕከናት ዜናን ዝረኸበ ተመሳሳሊ ሰለማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ ኣይርሳዕን።

ጎኒ ጎኒ’ዚ ኣብ እስራኤል ዝተኻየደ ሰፊሕ ሰለማዊዊ ሰልፊ፣ ኣብ ካልኦት ሃገራት’ውን ብመጠኑ እኳ እንተተኻየደ ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ብዝሰፍሐ መልክዑ ክካየድ ትጽቢት ኣሎ።

እስራኤል፣ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝኾኑ ኣስታት 20 ሽሕ ስደተኛታት፣ ኣብ ውሽጢ’ዚ 60 መዓልታት ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክወጹ ወይ ድማ ክእሰሩ ምዃኖም ዝገልጽ ወግዓዊ ሓበሬታ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ብወግዒ ምዝርጋሓ ይፍለጥ።

====================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0