ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ወግዓዊ ምብጻሕ የካይድ

Radio Erena: 25 April 2017

Egypt Saudi 24

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲ ሲ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ መንግስታዊ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ናብ ስዑዲ ወግዓዊ ምብጻሕ ዝፍጽም ዘሎ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ንሓያሎ ኣዋርሕ ዝቐጸል ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ኣብ ዝሃድኣሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

እቲ ፕረዚደንት ብሰንበት 23 ሚያዝያ ናብ ሪያድ ድሕሪ ምእታዉ፣ ኣብ ህሉው ዝምድና ክልትኤን ሃገራትን ዞባ ማእከላይ ምብራቕን ብዝምልከት ምስ ንጉስ ሳልማን ተዘራሪቡ።

ግብጺ ኣብ ጉዳይ ሶርያን ምትእትታው ሩስያ ኣብ ሃገርን ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝተፈልየ መርገጺ ድሕሪ ምሓዛ፣ ንጉስ ሳልማን ናብ ግብጺ ዝልኣኽ ነዳዲ ጠቕሊሉ ደው ክብል ከምዝኣዘዘ ኣይርሳዕን።

ብዘይካ’ዚ’ውን ልኡኽ እቲ ንጉስ፣ ናብቲ ምስ ግብጺ ዘሰሓሕብ ዘሎ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ብምብጻሕ ደገፉ ምግላጹ፣ ንግብጺ ናብ ቁጠዐ ኣምሪሑዋ’ዩ ጸኒሑ።

ይኹን’ምበር ግብጺ፣ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳራ ዝጸንሓ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ክልተ ደሴታት፣ ንስዑዲ ክወሃባ ኣብ ዘሕለፈቶ ውሳኔ ብምጽናዕ፣ ንስዑዲ ዝጻባእ ተበግሶ ኣይወሰደትን።

ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ፣ ዮርዳኖስ ከተማ ዓማን ድሕሪ ዝተኻየደ ስሩዕ ዋዕላ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ንፈለማ እዋን ቀጥታ ዘተ ድሕሪ ምክያዶም ከኣ፣ ተቛሪጹ ዝነበረ ምልኣኽ ነዳዲ ናብ ግብጺ ክቕጽል ንጉስ ሳልማን ወሲኑ።

ድሕሪ’ዚ ፍጻሜ ከኣ፣ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ንጉስ ሳልማን ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ናብ ሪያድ ከምዘምርሐ ማዕከናት ዜና ማእከላይ ምብራቕ ገሊጸን።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0