ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክለታ ዙር ኤርትራ 2017፡ ብዓብላልነት ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ተዛዚሙ

Radio Erena: 25 April 2017

Tour Eri

ካብ 18 ክሳብ 22 ሚያዝያ ክካየድ ዝቐነየ ብማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ናይ 2.2 መለክዒ ዝተዋህቦ፡ ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክለታ ዙር ኤርትራ 2017፡ ብዓብላልነት ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ተዛዚሙ።

እዚ ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ኬንያ፡ ርዋንዳን ደቡብ ኣፍሪቃን፡ ከምኡ’ውን ኤርትራውያን ክለባት ኤሪቴል፡ ኣስቤኮን ሰምበልን፡ ጀርመናዊት ክለብ ባይክ-አይድ፡ ኢጣልያዊት ክለብ ኣሞረ-ቪታን ኔዘርላንዳዊት ክለብ ግሎባል ሳይክሊንግን ዝተሳተፍኦ ውድድር፡ ልዕሊ 600 ኪሎ ሜትር እዩ ሸፊኑ።

ተቐዳዳማይ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዘመንፈስ ሰለሙን፡ ነዚ ኣብ 5 መድረኻት 605 ኪሎ ሜትር ዝሸፈነ ዙር፡ ብ16 ሰዓታት፡ 44 ደቓይቕን 52 ካልኢታትን ዛዚሙ፡ ብውህሉል ግዜ ተሸላሚ ብጫ ማልያ ክኸውን ከሎ፡ ርዋንዳዊ ጂን ክላውድ ኡዊዘየ 38 ካልኢታት ድሒሩ ካልኣይ፡ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣማኑኤል ጸጋይ 40 ካልኢታት ተፈንቲቱ ሳልሳይ ወጺኦም።

ብደረጃ ጋንታ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንውድድራ ብ50 ሰዓታት፡ 18 ደቓይቕን 4 ካልኢታትን ብምፍጻም ቀዳመይቲ፡ ክለብ ሰምበል 43 ደቓይቕን 17 ካልኢታትን ዶንግያ ካልአይቲ፡ ክለብ ኤሪቴል 45 ደቓይቕን 23 ካልኢታትን ድሒራ ሳልሰይቲ ኮይነን።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0