ፕረዚደንት ግብጺ ናብ ኢትዮጵያ ከምርሕ ምዃኑ ተሓቢሩ

ፕረዚደንት ግብጺ ናብ ኢትዮጵያ ከምርሕ ምዃኑ ተሓቢሩ

Radio Erena: 27 January 2015

Aldes

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣል-ሲሲ ናብ ኢትዮጵያ ከምርሕ ምዃኑ ተገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ጎኒ ጎኒ’ቲ ዓርብን ቀዳምን ዝካየድ መበል 24 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ምስታፉ፣ ብዛዕባ’ቲ ገና ምስ ኢትዮጵያ ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳያት ናይል ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ክዘራረብ ምዃኑ ማዕከናት ዜና ግብጺ ሓቢረን።

ሚኒስተር ጉዳትያ ወጻኣ ግብጺ፣ ኣብ መበል 26 ኣኼባ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምስታፍ ኣቐዲሙ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተወ ዝሓበራ እተን ማዕከናት ዜና፣ ፕረዚደንት ኣል-ሲሲ’ውን ኣብዚ ክልተ መዓልታት ናብታ ሃገር ክኣቱ ምዃኑ ኣፍሊጠን።

 

ፕረዚደንት ኣል-ሲሲ ብዛዕባ ናይልን ካልእ ጉዳያትን ንምዝርራብ ናብ ግብጺ ዑደት ንዘካየዱ ፓትርያርክ ኦትሮዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ዝምርሕዎ ሃይማኖታዊ ጉጅለ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ከምዘዘራረበ ዝዝከር’ዩ።

ኢትዮጵያን ግብጽን ኣብ ጉዳይ እቲ ኢትዮጵያ ኣብ ካባቢ ናይል እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ብዝምልከት ተደጋጋሚ እዋን ዝርርባት እኳ እንተካየዳ ክሳብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ዘሰማምዕ ነጥቢ ክበጽሓ ኣይከኣላን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ መበል ኣርባዕተ ዓመት ናይቲ ኣብ ግብጺ ኣንጻር ሑስኒ ሙባረክ ዝተላዕለ ናዕቢ ንምዝካር ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ብውሕዱ 18 ሰባት ተቀቲሎም።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0