“ፕረዚደንት ገለ፣ ናብ ኤርትራ ክበጽሕ’ዩ፣” ሚ/ጉ/ ወጻኢ ጅቡቲ

“ፕረዚደንት ገለ፣ ናብ ኤርትራ ክበጽሕ’ዩ፣” ሚ/ጉ/ ወጻኢ ጅቡቲ

Radio Erena: 07 December 2018

Issais Guelle

ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ፣ ኣብዚ ቀረባ ናብ ኤርትራ ክበጽሕ መደብ ከምዘሎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር መሓመድ ዓሊ ዮሱፍ ገሊጹ።

ንሱ ነዚ ዝገለጸ፣ ብምኽንያት ኣብ ጅቡቲ ዝካየድ ዘሎ ኣህጉራዊ ናጻ ንግዲ፣ ምስ ኣገልግሎት ዜና ቱርኪ (ኣናዶሉ) ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ’ዩ።

ይኹን’ምበር መገሻ ፕረዚደንት ገለ ናብ ኤርትራ መዓስ ከምዝካየድ ብንጹር ኣየፍጠን።

ድሕሪ ዑደት ፕረዚደንት ጅቡቲ ናብ ኤርትራ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ’ውን ናብ ጅቡቲ ክበጽሕ ትጽቢት ኣሎ።

ኤርትራን ጅቡቲን ኣብ ናይ ፈለማ መድረኽ ርክብ ከምዘለዋ ዝሓበረ ሚኒስተር ጉዳያት ወጽኢ ጅቡቲ፣ ምትእምማን ንምህናጽ እቲ ርክብ ክቕጽል ከምዘድሊ ኣረዲኡ።

ነዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡቲን ተጀሚሩ ዘሎ ርክባት ኣብ ምስልጣን ዝልዓለ እጃም ዝተጻወተ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ምዃኑ’ውን መስኪሩ።

ድሕሪ’ቲ ኣብ 2008 ዝተወልዐ ግጭት፣ ፕረዚደንታት ኤርትራን ጅቡቲን፣ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይዚ ዓመት’ዚ፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ፈላም ርክብ ምክያዶም ይዝከር።

እቲ ርከብ፣ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ክልቲኤን ሃገራት ድሕሪ ምቕጻሉ፣ ብደረጃ መራሕቲ ምብጽጻሕ ክካየድ ግና ናይ ፈለማ ክኸውን’ዩ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0