ሱዳንን ኣመሪካን ኣብ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ዘትየን

ሱዳንን ኣመሪካን ኣብ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ዘትየን

Radio Erena: 07 December 2018

Sudan US generals

ሱዳንን ኣመሪካን ኣብ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ዘተኮረ ዘተ ከምዘካየዳ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሱዳን ብሰሉስ 4 ታሕሳስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ክልትኤን ሃገራት ነዚ ዘተ ዘካየዳ፣ ኣዛዚ ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሜጀር ጀነራል ጄምስ ክሬግ፣ ምስ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ከማል ዓብደል ማሩፍ፣ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን’ዩ።

ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ሱዳንን ኣመሪካን፣ ኣብ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ዘተኮረ ዘተ ዘካይዱ ዘለዉ፣ ንልዕሊ 20 ዓመታት ተበቲኹ ዝጸንሐ ዝምድና ክልትኤን ሃገራት ንምምሕያሻ ጻዕርታት ኣብ ዘካየደሉ ዘሎ ግዜ’ዩ።

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ኣጽኒዓቶ ዝነበረት እገዳ ገለ ክፋሉ ድሕሪ ምልዓላ፣ ኣብ 2017’ውን ሱዳንን ኣመሪካን ርክብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣካይደን ምንባረን ይዝከር።

ዝሓለፈ ወርሒ፣ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ መሓመድ ኣል ዲርዲሪ ዝምራሕ ላዕለዎይ ልኡኽ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዋሽንግተን ዑደት ብምክያድ ምስ ምክትል ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ጆን ሱሊቫን ተራኺቡ፣ ክልትኣዊ ዝምድና ናብ ንቡር ዝምለሰሉ ጉዳያት ተመያይጦም’ዮም።

ኣመሪካ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ወሲዳቶ ወትሃደራውይን ዲፕሎማስያውን ተበግሶታት፣ ነቲ ቻይናን ሩስያን ኣብቲ ዞባ ጀሚረንኦ ዘለዋ ምንቕስቓስ ንምሽማው ዝዓለም ምዃኑ ተንተንቲ የረድኡ።

ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ፣ ቲቦር ናዢ ናብ ኢትትዮጵያ፣ ጅቡቲ፣ ኤርትራን ኬንያን ዑደት ኣብ ምክያድ ይርከብ።

ጎኒ ጎኒ’ዚ’ውን ኣቐዲሙ ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ እባ ጉዳያት ኣፍሪቃ ዝነበረ ኣምባሳደር ዶናልድ ያማማቶ፣ ሓድሽ ኣምባሳደር ኣብ ሶማል ኮይኑ ናብ ሞቛድሾ ተዋፊሩ ኣሎ።

ኣመሪካ፣ ኣብ ሶማል ከተማ ሞቋድሾ ኤምባሲኣ ብኽፋት፣ ኣምባሳደራ ክትምድበሉ ድሕሪ 28 ዓመታት ንመጀመርያ እዋና’ዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ፣ ኣመሪካ ብዘይካ ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ኩለን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደራት ኣለዋ።

 

ስእሊ፣- ሱዳን ትሪቡን

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0