ፕረዚደንት ጂቡቲ፣ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣብ ሕኽምና ተዓቝቡ ምህላዉ ተገሊጹ

Radio Erena: 15 September 2021

ፕረዚደንት ጂቡቲ፣ እስማዒል ዑመር ገለ፣ ኣብ ፈረንሳ ከተማ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ተዓቝቡ ሕክምና ይካየደሉ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ወዲ 73 ዓመት ዑመር ገለ፣ ብጽኑዕ ሓሚሙ ከምዘሎ ኣብ ፓሪስ ዝመደበሮም ተቓወምቲ ወገናት እታ ሃገር ሓቢሮም።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጂቡቲ፣ ማሕመድ ዓሊ ዮሱፍ ግና፣ እቲ ፕረዚደንት፣ ብሰንኪ ጻዕቒ ስራሕ ድኻም ስለዝተሰምዖ፣ ንቡር ሕክምናዊ መርመራ የካይድ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

እቲ ሚኒስተር፣ ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ኩሉ’ቲ ብዛዕባ ፕረዚደንት ዑመር ገለ ዝጋዋሕ ዘሎ ሓበሬታ ካብ ሓቒ ዝረሓቐ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ንዝተወሰነ መዓልታት ኣዕሪፉ ከምዘሎን ኣብ ቀረባ መዓልታት ናብ ንቡር ስርሑ ከምዝምለስን ኣስሚርሉ።

ካብ 1999 ኣትሒዙ፣ ካብ ኣኩኡ ሑሰን ጉለት ኦፕቲደን፣ ስልጣን ተረኪቡ ንጂቢቲ ዝመርሕ ዘሎ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ፣ ካብ ስልጣን ዝእለ ብሞት ወይ ድማ ብውትሃደራዊ ዕልዋ ጥራይ’ዩ ዝብል እምነት ዘለዎም ተቓወምቲ ወገናት እታ ሃገር፣ ሰራዊት ነዚ ዘሎ ኩነታት ተጠቒዑ፣ ሃገር ካብ ምልኪ ከናግፍ ብማሕበራዊ ሜድያ ይምሕጸኑ ኣለዉ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0