‘ኵናት ትግራይ እንኮ መፍትሒኡ ፖለቲካዊ ዘተ ጥራይ’ዩ።’ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ

Radio Erena: 14 September 2021

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ እንኮ መፍትሒኡ ፖለቲካዊ ዘተ ጥራይ ምዃኑ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት፣ ሚሸል ባሸለት ገሊጻ።

ንሳ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ትግራይ ተፈጺሙ ዝተባህለ ጅምላዊ ቅትለት፣ ምዕማጽ ደቂንስትዮ፣ ኣልማማ ማእሰርቲን ካልእ ከበድቲ ግፍዕታትን ንምምርማር፣ ብሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽን ብሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ሓባራዊ መጽናዕቲ ከምዝተዛዘመ፣ ብ13 መስከረም ንባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘፍለጠትሉ ኣጋጣሚ’ያ ነዚ ገሊጻ።

ኣብቲ ቀሪቡ ዘሎ መጽናዕቲ፣ ብኹሎም ‘ቶም ኣብ ኵናት ትግራይ ዝተሳተፉ ወገናት ዝተፈጸመ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ከበድቲ ገበናትን ተሰኒዱ ምህላዉ ብምርግጋጽ፣ እቲ ካብ 16 ግንቦት ክሳብ 20 ነሓሰ ዝተኣከበ ሰነድ ትንተና ይግበረሉ ምህላዉ ኣፍሊጣ።

እቲ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ትግራይ ንዝተፈጸመ ገበናት ዘጠቓለለ መጽናዕታዊ ሰነድ፣ ኣብ ባሕቲ ሕዳር 2021 ብወግዒ ክዝርጋሕ’ዩ።

ይኹን’ምበር፣ ኣብቲ ሰራዊት ኤርትራ ኣስታት 100 ንጹሃት ሰለማውያን ሰባት ብጅምላ ቀቲሉ ዝተባህለሉ ከባቢታት ኣኽስም፣ ብሰንኪ ጸጥታዊ ስግኣት መጽናዕቲ ክካየደሉ ኣይከኣለን።

ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቖመ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገርን ኣህጉራዊ ትካል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ዝርከብዎም ዝተፈላለዩ ኣካላት፣ ኣቐዲሞም ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻባት፣ ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ትግራይ ጃምላዊ ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ዝርከቦ ገበናት ምፍጻሙ ጠቒሶም’ዮም።

ኣብ ትግራይ ዘርኢ ናይ ምጽናት ገበናት ተፈጺሙ ከይከውን’ውን ብናጻ ኣህጉራዊ ኣካል ምጽራይ ክግበረሉ ተደጋጋሚ ጻውዒት ይቐርብ’ዩ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0