ፕረዚደንት ጂቡቲ፣ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንምርኻብ ብቀ/ሚ ኢትዮጵያ ንዝቐረበሉ ዕድመ ከምዝነጸገ ተሓቢሩ

Radio Erena: 16 October 2020

ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ፣ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንምርኻብ፣ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ ንዝቐረበሉ ዕድመ ከምዝነጸገ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ንራድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ፣ ንመራሕቲ ኤርትራን ጂቡቲን፣ ኣብ ኣዋሳ ንምርኻቦም ዝሰርዖ መደብ፣ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ እኳ እንተነጸጎ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ግና ናብ ጂማን ካልእ ከባቢታትን ኢትዮጵያ ናይ ሳልስቲ ዑደት ከካይድ ክኢሉ’ዩ።

ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ፣ ኣብ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣብ ከተማታት ኣስመራን ባህርዳርን ኣብ ዝተኻየደ ርክብ መራሕቲ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ከምዘይተጸንበሮ ይዝከር።

እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብ ግንባት 2019 ምስ ሻርቕ ኣል ኣውሳጥ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፣ ሳላ ስዑዲ ዓረብ ምስ ኤርትራ ዝተጀመረ ርክብ ኤርትራን ጅቡቲን፣ ብምምልካት ዶባት ኣብ ናይ መወዳእታ ዕርቂ ክበጽሕ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ ኔሩ’ዩ።

ጂቡቲ፣ ምስ ኤርትራ ዘሰሓሕብ ዘይተነጸረ ዶብ ከምዘሎ ደጋጊማ ክትገልጽ እንከላ፣ ብወገን ኤርትራ ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የለን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ምስ ጂቡቲ ዝተፈጥረ ምስሕሓብ ብናይ ግዳም ሓይልታት ዝተደፋፍአ’ዩ ክብሉ’ዩ ዝጠቕሶ ኔሩ።

ንግስነት ቀጠር ዝወሰደቶ ናይ ዕርቂ ተበግሶ ንኣስታት 8 ዓመታት ዝኾነ ፋይዳ ከይተረኽቦ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ 2017 ክልትኤን ሃገራት ጸግዒ ስዑዲ ብምሓዘን፣ ነቲ መስርሕ ደው ከምዘበለቶ ይፍለጥ።

ካብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን፣ ብመንጎኝነት ስዑዲ ዓረብ፣ ርክብ ተጀሚሩ እኳ እንተነበረ፣ ክስጉም ኣይከኣለን።

ኣብ ግንቦት 2008 ኣብ ከባቢ ራስ ዱሜራ ብዘካየድኦ ውግእ፣ ካብ ክልትኤን ሃገራት 10ታት ወትሃደራት ክሞቱ እንከለዉ፣ ካብ ወገን ኤርትራ 19 ከምዝተማረኹ ይፍለጥ።

ጂቡቲ ብወገና ብኤርትራ ዝተማረኹ ወትሃደራት ከምዝነበሩዋ ብምምልካት፣ ነቶም 4 ብመንጎኝነት ቀጠር ናብ ዓዶም ክትመልሶም እንከላ፣ ካልኦት ኣብ ኤርትራ ደሃቶም ዝጠፍአ ከምዘለዉ’ያ ትወቕስ።

ኣብ ጂብቲ ተማሪኾም ዝነበሩ 19 ኤርትራውያን፣ ናብ ኤርትራ ክምለሱ ድሌት ከምዘይብሎም ስለዝገለጹ፣ ኣብታ ሃገር ናብ ዝርከብ ቀይሕ መስቀል ድሕሪ ምስግጋሮም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ካናዳ ተጣይሶም ይርከቡ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    መብራህቱ 4 years ago

    ናይ ኤርትራ ብዝሒ “ምሩኻት” ገሊጽካ ናይ ጂቡቲ ዘይምግላጽ እንታይ ማለት’ዩ? ኮይንኩም ድዩ ጠቕሊልኩም ነታ ሃገር ክሒድኩማ?