ምብራቕ ሱዳን፣ ድሕሪ ምስጓግ ኣማሓዳሪ ዞባ ከሰላ ኣብ ዝተጎሃሃረ ቀቢላዊ ግጭት ብውሕዱ 5 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 16 October 2020

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን፣ ዓብደላ ሓምዶክ፣ ኣማሓዳሪ ዞባ ከሰላ ኮይኑ ንዝተመዘዘ ሳልሕ ዓማር ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምስጓጉ፣ ኣብ ስዋኪን ኣብ ዝተጎሃሃረ ቀቢላዊ ግጭት ብውሕዱ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ንማሕበር ሓካይም ብምጥቃስ ምንጭታት ካብቲ ከባቢ ሓሚሮም።

ብረቡዕ 14 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ቀቢላዊ ግጭት፣ ኣብ መንጎ ኣስያፍ፣ ኣባትርን ጠበናጁን ዝዓጠቑ፣ ካብ ብሄረ ቤጃ ዝኾኑ ቀቢላታት ቤን ዓሚርን ሃደንዳዋን ምዃኑ ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት፣ ዓሰርተታ ከምዝቖሰሉ ገሊጾም።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ብ13 ጥቅምቲ ኣብ ዘሕለፎ ውሳኔ፣ ካብ ህዝቢ ብሄረ ቤጃ ተቐባልነት ዘይረኸበ፣ ካብ ቀቢላ ቤን ዓሚር ንዝኾነ ኣማሓዳሪ ዞባ ከሰላ፣ ካብ ስልጣኑ ከምዝተሰጎገ ኣፍሊጡ።

ድሕሪ’ዚ ውሳኔ፣ ኣብ ከባቢ ስዋኪን ግጭት ብምውልዑን ኣብ ፖርት ሱዳን ድማ ወጥሪ ብምስፋኑን፣ ሰዓታት እቶ እቶ ተኣዊጁ ኣሎ።

ኣማሓዳሪ ዞባ ከሰላ ክኸውን ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝተመዘዘ ሳልሕ ዓማር፣ ናብ ዝተመደበሉ ናይ ስራሕ ቦታ ከይተረኽበ’ዩ ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ ተኣልዩ።

ተወላዶ ብሄረ ቤጃ፣ ኣንጻር እቲ ብወትሃደራዊ ኣካል መንግስቲ ዝተመዘዘ ኣማሓዳሪ ኣብ ዘካየድዎ ተቓውሞ፣ ንወደብ ፖርት ሱዳንን ናብቲ ወደብ ዘእቱ መንገድታትን ድሕሪ ምዕጻዎም’ዩ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ሰጕግዎ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0