ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ኢጋድን ሕብረት ኣፍሪቃን ምስ ኦባማ ኣብ ዘካየድዎ ዝርርብ ብዘይምስታፉ ቁጠዐኡ ገሊጹ

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ኢጋድን ሕብረት ኣፍሪቃን ምስ ኦባማ ኣብ ዘካየድዎ ዝርርብ ብዘይምስታፉ ቁጠዐኡ ገሊጹ

Radio Erena : 30 July 2015

iga

መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ ጉዳይ እታ ሃገር ብዝምልከት ኢጋድን ሕብረት ኣፍሪቃን ምስ ፕረዚደንት ባራካ ኦባማ ኣብ ዘየካየድዎ ዝርርብ ክሳተፍ ዕድመ ስለዘይቀረበሉ፣ ቁጠዐኡ ገሊጹ።

ኢጋድን ሕብረት ኣፍሪቃን፣ ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ብዝምልከት ምስቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዑደት ዘካየደ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ዘተ ኣብ ዘካየድሉ፣ ንቅዋማዊ መንግስቲ ሱዳን ወግዓዊ ሓበሬታ ይኹን ዕድመ ስለዘይተላእከሉ፣ ንፕሮቶኮል እቲ መስርሕ ሰላም ዝጥሕስ ምዃኑ’ውን እቲ መንግስቲ ወቒሱ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኣኢ ደቡብ ሱዳን ባርናባ ማርያል ቤንጃሚን ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ኢጋድን ሕብረት ኣፍሪቃን ንፕሮቶኮል እቲ መስርሕ ሰላም ብምጥሓሶም ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ሚያርዲት ወግዓዊ ጥርዓን ከቕርብ ከምዝኽእል ሓቢሩ።

 

መስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ክዕወት ይሰርሑ እንተለዉ፣ ከም ግቡእ መንግስቲ እታ ሃገር ክዕደም ኔርዎ ክብል’ውን እቲ ሚኒስተር ደምዲሙ።

ኢጋድን ይኹን ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ንፕረዚደንት ሳልቫኪር ኣብቲ ምስ ፕረዚደንት ኦባማ ዝተኻየደ ዝርርን ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ዘይተዓደምሉ ምኽንያት ኣይሓበሩን።

መስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ኣብ 17 ነሓሰ ኣብ ወሳኒ ስምምዕ ክበጽሕ ትጽቢት ይግበረሉ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0