ንዓመታ ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሓፈሻዊ ምርጫ ሶማል ተሰሪዙ

ንዓመታ ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሓፈሻዊ ምርጫ ሶማል ተሰሪዙ

Radio Erena : 30 July 2015

somal Elect

ኣብ ሶማል ን2016 ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሓፈሻዊ ምርጫ ብሰንኪ ጸጥታዊ ስግኣት ተሰሪዙ።

እቲ ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ምርጫ ክስረዝ ዝወሰነ ፓርላማ ሶማል፣ ናብ መዓስ ከምዝተሰጋገረ ኣይሓበረን።

ኣብ 2012 ብወከልቲ ቀቢላታትን ዓበይቲ ዓድን ዝተሓርዩ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ኣባላት ፓርላማን፣ ኣብ ውሽጢ 4 ዓመታት ደሞክራስያዊ ምርጫ ክካየድ ተመባጺዖም እኳ እንተነበሩ፣ እታ ሃገር ብሰንኪ ዘላቶ ጸጥታዊ ኩነታት ግና ግብራዊ ክኸውን ከምዘይክእል’ዩ ተገምጊሙ።

 

ኣብ ሶማል፣ ኣስታት 30 ሽሕ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ታሃገር ተዋፊሩ እኳ እንተሎ፣ ጸጥታ እታ ሃገር ምሉእ ብምሉእ ከውሕስ ግና ኣይከኣለን።

እቲ ዝዓበየ ጸጥታዊ ስግኣት እታ ሃገር ኣልሸባብ እኳ እንተኾነ፣ ደሞክራስያዊ ምርጫ ምክያድ ንቀቢላታት እታ ሃገር ዳግም ናብ ኵናት ሓድሕድ ከይሸሞም’ውን ብዓቢኡ ስግኣት ጸኒሑ’ዩ።

ንዝመጽእ ዓመት ክካየድ ዝተወጠነ መላእ ህዝቢ ዝሳተፎ ሓፈሻዊ ምርጫ እኳ እንተተሰረዘ፣ ወከልቲ ቀቢላታትን ዓበይቲ ዓድን ዝሳተፍዎ ሕርያ ፕረዚደንትን ኣባላት ፓርላማን ግና ክካየድ ምዃኑ ይንገር።

ካብ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ህዝቢ ብናጻ ዝሳተፎ ደሞክራስያዊ ምርጫ ብምክያድ ብሰላም መራሕቲ መራሒ ናይ ምስግጋር ዕዉት መስርሕ ዝተራእየለን ሃገራት ሒደት’የን።

===============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0