ፕረዚደንት የመን ንቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ስልጣኑ ሰጕጉ

ፕረዚደንት የመን ንቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ስልጣኑ ሰጕጉ

Radio Erena: 07 April 2016

Yemen Pre

ፕረዚደንት የመን ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ፣ ንንምክታል ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚኒስተርን እታ ሃገር ካልድ በሓሕ ካብ ስልጣኑ ሰጕጉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ባሓሕ ካብ ስልጣኑ ዝስጎግ ዘሎ፣ ሓፈሻዊ ስምምዕ ሰላም የመን ኣብ 18 ሚያዝያ ብ ኩዌት ንምክያድ ምድላዋት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ፕረዚደንት ሓዲ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ስልጣኑ ዝሰጎጎሉ ምኽንያት፣ ኣብ ምቛም መንግስቲ ብዘጋጠሞ ፍሽለት ምዃኑ እኳ’ዩ ገሊጹ።

 

ይኹን’ምበር፣ እቲ ፕረዚደንት ነቲ መራሕ መንግስት ካብ ስልጣኑ ዝኣለየሉ ምኽንያት ኣብ መንጉኦም ብዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ ምዃኑ ተንተንቲ ፖለቲካ የረድኡ።

እዚ ኣብ መንጎ መራሕ ሃገርን መራሕ መንግስትን ዘጋጠመ ምስሕሓብ፣ ነቲ ኣብ ሰንኮፍ ዘሎ መስርሕ ሰላም የመን ብኣሉታ ከይጸልዎ’ውን እቶም ተንተንቲ ዘለዎም ስግኣት ይገልጹ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ካብ ኢራን ናብ ተቓወምቲ ሑቲ ናብ የመን ዝተላእከ ኣጽዋር ዝጸዓነት’ያ ዝበላ መርከብ ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ።

እቲ ብ28 መጋቢት ከምዝተታሕዘ ዝተሓበረ ኣጽዋር፣ 1500 ካላሺን ኮቭ ዝዓይነቱ ጠበናጁን ልዕሊ 200 ሞርታራትን ላውንቸራትን ዘጠቓለለ’ዩ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0