“ፕረዚደንት የመን ነበረ ናብ ኤርትራ ክሃድም ይኽእል’ዩ።” ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ

“ፕረዚደንት የመን ነበረ ናብ ኤርትራ ክሃድም ይኽእል’ዩ።” ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ

Radio Erena: 30 March 2015

RyadAli

ፕረዚደንት የመን ነበረ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ናብ ኤርትራ ክሃድም ይኽእል’ዩ ክብል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ሪያድ ያሲን ምስ ሲኤንኤን ቋንቋ ዓረብ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ገሊጹ።

እቲ ሚኒስተር፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣብ ግብጺ፣ ሸርም ሼኽ ዝተኻየደ ኣኼባ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ምስ ሲ.ኤን.ኤን ቋንቋ ዓረብ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፣ ፕረዚደንት ነበረ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሰንዓ ከምዘሎ ብምርግጋጽ ንሱን ሓያሎ ካልኦትን ናብ ኤርትራ ክሃድሙ ተኽእሎ ከምዘሎ’ዩ ኣመልኪቱ።

 

እቲ ፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ከምዝሓተተውን ይግከጽ ኔሩ’ዩ።

እቲ ፕረዚደንት ነበረ ስለመንታይ ናብ ኤርትራ ክሃድም ከምዝደሊ ተሓቲቱ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ የመን፣ ሪያድ ያሲን ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ድማ፣ ኣብ ኤርትራ ዝውንኖ መሬትን ገዛን ስለዘለዎ ክብል’ዩ መሊሱ።

ንየመን ንልዕሊ 32 ዓመታት ዝመርሐ ፕረዚደንት ነበረ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ኣንጻሩ ብዝተላዕለ ህዝባዊ ናብዕቢ ኣብ 2012 ስልጣኑ ክሓድግ እኳ እንተተሰማምዐ፣ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ’ውን ንሱን ደቁን ከምኡ’ውን ናይ ቀረባን ኣዝማዱ ኣብ ወትሃደራውን ጸጥታውን መዳይ እታ ሃገር ዓቢ ጽልዋ’ዩ ዘለዎም።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ የመን ናብ ምሉእ ኵናት ተምርሕ ብምህላዋ እቲ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ’ውን ኣብ ከተማ ሰንዓ ክቕመጥ ዝጸንሐ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ካብታ ሃገር ጠቕሊሉ ክሃድም ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ኣብ ካይሮ ዝተጋብአ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ እቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝተመርሐ ናይ ልፍንቲ መጥቃዕቲ፣ ወትሃደራዊ ሓይሊ ተቓወምቲ ሑቲ ክሳብ ዝዳኸም ክቕጽል ምዃኑ ደጊመን ኣረጋጊጹ።

ዓብዱል ማሊክ ኣል ዓጅሪ ዝተባህለ ሓደ ካብ ሓለፍቲ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ሑቲ፣ ኣቐዲሙ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ተቓዋሚ ሓይሊ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝኾነ ጸጥታዊ ሓደጋ ንኸይፍጠር ኤርትራን ግብጽን ምስ ዝርከብአን ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስነን ሃገራት ንምዝርራብ ወኪሉ ከምዝልኣኸ እኳ እንተገለጸ፣ ካብተን ሃገራት ዝተዋህበ ምላሽ ግና ኣይሓበረን።

መንግስቲ ኤርትራ’ውን ንሑቲ ተቓውሞ ከምዘለዎ ዝግለጽ እኳ እንተኾነ፣ እቲ መንግስቲ ብወግዒ ዝሃቦ መርገጺ ግና ዛጊት የለን።

ካብ ናይ የመን ዜና ከይወጻእና፣ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ደብዳብ ብጻዕቒ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ሓያሎ ሃገራት ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ዜጋታተን ብመንገዲ ጅቡቲ የውጽኣ ኣለዋ።

==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0