ፕረዚደንት ኬንያ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ

ፕረዚደንት ኬንያ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ

Radio Erena: 09 October, 2014

Uhuru

ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ፣ ትማሊ ሮቡዕ 8 ጥቕምቲ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ቀሪቡ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብ 2007 ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ግጭት ብምጉሁሃር ተኸሲሱ’ዩ ኣብ ኔዘርላንድስ ኣብ ዝርከብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ዝቐረበ።

ኣብ ስልጣን ዝርከብ መራሒ ሓንቲ ሃገር ኣብዚ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክቀርብ ፕረዚደንት ኬንያ ናይ መጀመርያ’ዩ።

 

ፕረዚደንት ኡሁሩ ብዝተመስረተሉ ክሲ ናብቲ ቤት ፍርዲ ምቕራቡ፣ ሓያሎ ፖለቲከኛታት ብኣወንታን ከም ኣብነታዊ መራሕን ይገልጽዎ እኳ እንተለዉ፣ ዝተፈላለዩ ወገናት’ውን ንኬንያ ናብ ግጭት ከየምርሓ ካብ ምስጋእ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ ናብ ፍርዲ ምቕራቡ ይቃወምዎ።

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ 2005 ኣብ ዳርፉር ፈጺምዎ ብዝተባህለ ገበናት፣ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ክቐርብ እኳ እንተተሓተተ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ነጺግዎ ይርከብ።

ፕረዚደንት ኣልበሽር ኣብ ዝተረኽቦ ቦታ ተታሒዙ ናብቲ ቤት ፍርዲ ክቀርብ ድሕሪ ምእዛዙ ከኣ መገሻታቱ ተደሪቱ ይርከብ።

ፕረዚደንት ኬንያታ በንጻሩ ኣብቲ ክልተ መዓልቲ ዝወሰደ ምጽራይ ጉዳዩ፣ ብኣካል ክርከብ ንዝቐረበሉ ጻውዒት ተቐቢሉ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ንኽቀርብ ስልጣኑ ንምክትል ፕረዚደንት ኣረኪቡ’ዩ ናብ ነዘርላንድስ ኣምሪሑ።

==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0