ሃብቲ ትሽዓተ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ካብ ዓመታዊ እቶት ናይ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ይዛይድ

ሃብቲ ትሽዓተ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ካብ ዓመታዊ እቶት ናይ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ይዛይድ

Radio Erena: 09 October, 2014

President Dos

ብሕማምን ድኽነትን ኣብ እትሕመስ ዘላ ኣፍሪቃ፣ እቶም ዝሃብቶም 10 መራሕቲ ሃገራት፣ ብዝሒ ዝውንንዎ ገንዘብ ካብ ዓመታዊ እቶት ሓያሎ ሃገራት ከምዝዛይድ ሓድሽ ጸብጻብ ጠቒሱ።

ድሕሪ ሞት ሙዓመር ቐዛፊ ብሃብቲ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዑ ዘሎ መራሒ ኣንጎላ ፕረዚደንት ሆሴ ኤድዋርዶ ዶ ሳንቶስ ኮይኑ ዘለዎ ቅሙጥ ሃብቲ 20 ቢልዮን ዶላር’ዩ።

መጽሔት ፎርብስ ኣቐሚጥዎ ብዘሎ ደረጃታት፣ ጓል ነዚ ፕረዚደንት’ውን ወዋኒት 3.8 ቢልዮን ዶላር’ያ። በንጻር ከኣ 70 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኣንጎላ መዓልታዊ እቶቱ ካብ 2 ዶላር ኣይሓልፍን’ዩ።

 

ድሕሪ ፕረዚደንት ኣንጎላ ብሃብቲ ኣብ ካልኣ ደረጃ ተሰሪዑ ዘሎ ከኣ ኣብ 1999 ካብ ኣብኡ ስልጣን ዝተረከበ ንጉስ መሓመድ ናይ ሞሮኮ ብ2.5 ቢልዮን’ዩ።

ካብ 1979 ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ን35 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ መራሒ ኢኳቶርያል ጊኒ፣ ትዮዶር ኦብያንግ ንጉዌማ ምባሶጎ ከኣ ብ600 ሚልዮን ዶላር ውልቃዊ ሃብቲ ሳልሳይ ደረጃ ክስራዕ እንከሎ፣ መጽሔት ፎርብስ ክሳብ ታሽዓይ ዘርዚርዎም ብዘሎ ሃብታማት መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ብቅድመ ተኸተል
4. ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ
5. ፕረዚደንት ካሜሮን ፖል ቢያ
6. ንጉስ ምስዋቲ ናይ ስዋዚላንድ
7. ፕረዚደንት ናይጀርያ ጉድላክ ጆናታን
8. ፕረዚደንት ቻድ እድሪስ ደቢ
ኣብ ታሽዓይ ደረጃ ዝርከብ ከኣ ብዕድመ ዝዓበየ መራሒ ኣፍሪቃዊት ሃገር ዚምባብዌ ሮበርት ሙጋበ’ዩ።

እዞም መራሕቲ ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኦም ዘኻዕበትዎ ሃብቲ ኮዩኑ፣ መብዛሕቶም ብስሞም ዓብይቲ ንግዳዊ ትካላት፣ ፋብሪካታት ሆቴላትን ኣብ ወጻኢ ሃገር ከኣ ቅሙጥ ጥረ ገንዘብን ዝውንኑ’ዮም።

============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0