ፕረዚደንት ኦባማ ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ምብጻሕ ክፍጽም’ዩ

ፕረዚደንት ኦባማ ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ምብጻሕ ክፍጽም’ዩ

Radio Erena: 22 June 2015

Obama to Ethiopia

ፕረዚደንት ኣመሪካ፣ ባራክ ኦባማ ናብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ዑደት ከካይድ ምዃኑ፣ ቤት መንግስቲ እታ ሃገር -ዋይት ሃውስ ኣፍሊጡ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ሓምለ ናብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ምብጻሕ ክፍጽም ምዃኑ ዘረጋገጸ፣ ቤተ መንግስቲ- ዋይት ሃውስ፣ ኣብ ኣድሲ ኣበባ ኣብ ዝጸንሓሉ ድማ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገርን መርሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ክዘራረብ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብ ዝመጽእ ዓመት ዘመነ ስልጣኑ ዘብቕዕ ፕረዚደንት ኦባማ፣ ናብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምብጻሑ፣ ኣብ ስልጣን እንከሎ ናብ ኢትዮጵያ ዑደት ዘካየደ ናይ መጀመርያ መራሒ ሕቡራት መንግስቲ ኣመሪካ ክኸውን’ዩ።

 

ፕረዚደንት ኦባማ፣ ናብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ምምርሑ፣ ዓዲ ኣብኡ ናብ ዝኾነት ኬንያ ናይ ሓደ መዓልቱ ዑደት ከካይድ ወጢኑ ምህላዉ’ውን እቲ ናይ ዋይት ሃውስ መግለጺ የነጽር።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ 2008 ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽኣ፣ ኣብ ኣፍሪቃ፣- ናብ ጋና፣ ግብጺ፣ ሰኔናጋልን ደቡብ ኣፍሪቃን ዑደት ምክያዱ ይዝከር።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0