ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ኣብ ክልተ ግዝኣታት’ታ ሃገር ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ኣዚዙ

ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ኣብ ክልተ ግዝኣታት’ታ ሃገር ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ኣዚዙ

Radio Erena: 31 December 2017

beshirፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ኣብ ክልተ ግዝኣታት’ታ ሃገር ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ኣዚዙ።

እዚ ኣብ ግዝኣታት ሰሜን ኮርዶፋንን ከሰላን ዝጸንዕ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ፣ ኣብ ሰሜን ኮርዶፋን ተቓወምቲ ሓይልታት ንምህዳን ዝዓለመ ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ ግዝኣት ከሰላ ግና ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብን ዕጸፋርስን ንምቁጽጻር ዝዓለመ ምዃኑ፣ ወግዓዊ ልሳን መንግስቲ ሱዳን ገሊጹ።

ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ኣብ ዝህብዎ ዘለዉ ተወሳኺ ሓበሬታ፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር ከተማ ካርቱም ኣብ ዝርከቦም ካልኦት ከባቢታት ማእከላይ ሱዳን እውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ የመልክቱ።

ዕላማ’ዚ ኣብ ካርቱም ዝጸንዕ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ፣ ካብ ህዝቢ ክመጽእ ንዝኽእል ተቓውሞ ንምቁጽጻር ዘድሃበ ምዃኑ ይግለጽ።

ቁጠባዊ ቅልውላው ሱዳን እንዳኸፈአ ኣብ ዝመጻሉ፣ ብፍላይ መንግስቲ ኣብ ነዳዲ ዝገብሮ ዝነበረ ድጎማ ኣብ ዘልዓለሉ እዋን፣ ህዝቢ በብእዋኑ ተቓውሞታትን ናዕብን ከለዓዕል ጸኒሑ’ዩ።

ሚኒስተር ፋይናንስ ሱዳን ዓብደል ራሕማን ድራር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ፣ ምስ ምልዕዓል ህዝቢ ዘተኣሳስር ከምዘይብሉ ሓቢሩ።

======================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0