ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ኣብ ልዕሊኡ ዝተመሓላለፈ ትእዛዝ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ብዘየገድስ ናብ ኣመሪካ ከምርሕ ምዃኑ ገሊጹ

ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ኣብ ልዕሊኡ ዝተመሓላለፈ ትእዛዝ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ብዘየገድስ ናብ ኣመሪካ ከምርሕ ምዃኑ ገሊጹ

Radio Erena: 06 August 2015

Albeshir

ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ዝድለ ዘሎ ፕረዚደንት ሪፖብሊክ ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ዝጋባእ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ንምስታፍ ናብ ኣመሪካ ከምርሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብቲ ጉባኤ መደረ ንኸስምዕ’ውን መደብ ሰሪዑ ምህላዉ ሓቢሩ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተጋብአ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምስታፍ ናብ ከተማ ዮሃንስበርግ ዝኣተወ ፕረዚደንት ኣልብሽር፣ ካብታ ከተማ ከይወጽእ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ትእዛዝ ምምሕልላፉ ኣይርሳዕን።

 

እንተኾነ፣ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ነቲ ቤት ፍርዲ ደቡብ ኣፍሪቃ ክተሓዝ ዝተወሰነሉ ፕረዚደንት ሱዳን ብወትሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ብምስጢር ከምዘህደሞ ይዝከር።

ፕረዚደንት ኣልበሽር ድሕሪ’ዚ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ብድሆ ናብ ሃገሩ ኣብ ዝተመልሰሉ፣ ኣብ ሃገሩ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእካ ወግዓዊ ኣቀባብላ’ዩ ተጌርሉ።

ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝጋባእ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ክሳተፍ ምውሳኑ፣ ነታ ኣልበሽር ናብ ቤት ፍርዲ ክቀርብ ኣለዎ ዝብል መርገጺ ዘለዋ ኣመሪካን ኣብ ጎኒ ልበሽር ደው ዝበለ ሕብረት ኣፍሪቃን ዲፕሎማስያዊ ቁርቁስ ዝፈጥር’ዩ።

እዚ ናይ ፕረዚደንት ኣልበሽር መግለጺ፣ ንፖለቲካዊ ጸወታ’ዩ ዝበሎ ሓያሎ ተንተንቲ ድማ፣ ካብ መንግስቲ ኣመሪካ ምሉእ ውሕስነት ከይተዋህቦ ብኢደ ዋኒኑ ከምዘይብገስ የረድኡ።

ምምሕዳር ዋሽንግተን ብዛዕባ’ዚ ናይ ኣልበሽር ውሳኔ ብዝምልከት መግለጺ ኣይሃበሉን።

28 መስከረም 2015 ብወግዒ ዝኽፈት ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት’ውን መንግስቲ ሱዳን ብደረጃ ሚኒስተር ክሳተፍ ምዃኑ ኣብ ዝርዝሩ ኣስፊሩ እኳ እንተሎ፣ ድሕሪ’ዚ ናይ ፕረዚደንት ኣልበሽር መግለጺ’ውን ዝኾነ መብርሂ ኣይሃበሉን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ፕረዚደንት ኣልበሽር ኣብቲ ዋዕላ ክሳተፍ ምዃኑ ሓቢሩ እኳ እንተነበረ፣ ኣብ መወዳእታ ግና መንግስቲ ኣመሪካ ምእታው ከምዝኸልከሎ ብምጥቃስ ኣብቲ ጉባኤ ኣይተሳተፈን።

==========

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0