ጅቡቲ፣ ድሕሪ 13 ዓመታት ሃገራዊ መንገዲ ኣየር ጀሚራ

ጅቡቲ፣ ድሕሪ 13 ዓመታት ሃገራዊ መንገዲ ኣየር ጀሚራ

Radio Erena: 06 August 2015

Air president

ብሰንኪ ክሳራ ካብ 2002 ንደሓር ኣቛሪጹ ዝነበረ መንገዲ ኣየር ጅቡቲ፣ ዳግም ከምዝጀመረ ተሓቢሩ።

እቲ ን13 ዓመታት ኣቛሪጹ ዝነበረ መንገዲ ኣየር ጅቡቲ፣ ኣብ ብሪጣንያ ብዝመደበሩ ኩባንያ ካሪዲፍ ኣቭየሽን ዝተደገፈ ኮይኑ፣ ብዋና ጸሓፊ እቲ ኩባንያ ህቡብ ድምጻዊ ነበር ብሩስ ዲኪንሰን ክመሓደር’ዩ።

እቲ ካብዚ ሰሙን እዚ ኣትሒዙ ዳግርም ከምዝተበራበረ ዝግለጽ ዘሎ መንገዲ ኣየር ጅቡቲ፣ ካብን ናብን እታ ሃገርን ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ናይ መጓዓዝያን ካርጎን በረራታት ከካይድ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።

 

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዘይካ ኢትዮጵያን ኬንያን፣ ውሕሱ መንገዲ ኣየር ዝወነነት ሃገር የላን።

መንገድታት ኣየር ኤርትራን ሱዳንን’ውን ብሰንኪ ክሳራታት ተደጋጋሚ እዋን ስርሑ ከምዘቋረጸን ኣብዚ እዋን’ዚ’ውን ብሰንከልከል ይቕጽል ምህላዉን ይፍለጥ።
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0