ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ በይናዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ኣዋጅ ኣውጺኡ

           ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ በይናዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ኣዋጅ ከምዘውጸአ፣ መንግስታዊ ምንጭታት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን።
ፕረዚደንት ኣልበሽር ብሰምበት ኣብ ዘውጸኦ ግዚያዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ኣዋጅ፣ ክሳብ ወርሒ ጥቅምቲ 2017 ክጸንሕ ምዃኑ ተፈሊጡ።
             እቲ ፕረዚደንት ነዚ ውሳኔ ዝወሰደ፣ ኣብ ዞባታት ብሉ ናይልን ደቡብ ኮርዶፋንን ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ዕጡቓት ተቓወምቲ፣ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ’ ታ ሃገር ንኽሳተፉ ዕድል ንምኽፋት ምዃኑ ገሊጹ።

          ኤስ.ፒ.ኤል.ኤም.ኤን ከምኡ’ውን ብሚኒ ሚናዊ ዝምራሕ ምንቅስቓስ ናጽነት ሱዳንን፣ ምንቅስቓስ ፍትሕን ማዕርነትን (ጀም)፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ወሲዶም ምንባሮም ዝዝከር’ዩ።

          መንግስቲ ሱዳንን ተቓወምቲ ሓይልታትን’ታ ሃገር፣ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘካየዱዎ ዘተ ሰላም፣ ብዘይ ፍረ ከምዝተዛዘመ፣ ከምኡ’ውን ንዞባ ዳርፉር ሰብኣዊ ረዲኤት ንምብጻሕ ብዝምልከት ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተማእከለ ዘተ ብዘይ ስምምዕ ድሕሪ ምቁራጹ፣ ንዘይተወሰነ ግዜ ከምዝተናወሐ ዝዝከር’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0