ፕረዚደንት ኢጣልያ፣ ድሕሪ 20 ዓመታት ንመጀመርያ እዋኑ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ይፍጽም

ፕረዚደንት ኢጣልያ፣ ድሕሪ 20 ዓመታት ንመጀመርያ እዋኑ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ይፍጽም

Radio Erena: 15 March 2016

Ital

ፕረዚደንት ኢጣልያ ሰርጂዮ ማታሬላ ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም ኣሎ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብቲ ካብ 13 ክሳብ 17 መጋቢት ኣብ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ዘሎ ዑደት፣ ብዘይካ’ቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ፕረዚደንትን ካልኦት ሰበ ስልጣንን እታ ሃገር ዘካይዶ ዝርርብ፣ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት’ውን ክበጽሕ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኣብዚ 20 ዓመታት፣ ፕረዚደንት ኢጣልያ ናብ ኢትዮጵያ ክበጽሕ እዚ ንፈለማ እዋኑ’ዩ።

 ኢጣልያ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ምስ ኢትዮጵያ ክህልዋ እትደሊ ቁጠባዊ ዝምድና፣ ካብቲ ከባቢ ንዝርአ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ’ውን ምስታ ሃገር ብሓባር ክትሰርሕ ከምእትደሊ’ዩ ዝንገር።

ኢጣልያ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝወረረትሉ ሓሙሽተ ዓመታት፣ ኣብታ ሃገር ንዝተፈጸመቶ ዕንወት ክትክሕስን ዝተሰርቀ ጥንታዊ ታሪኻዊ ቅርስታትን ከኣ ክትመልስን ኣብ ዝብል ነጥቢ፣ ክልትኤን ሃገራት ንሓያሎ ዓመታት ክዘራረባሉ ዝጸንሓ ጉዳይ’ዩ።

ይኩን’ምበር ፕረዚደንት ሰርጂዮ ማታሬላ ኣብዚ ናብ ኢትዮጵያ ዑደቱ ኣብዚ ነጥቢ’ዚ ከተኩር ምዃኑን ዘይምዃኑን ኣይተነጸረን።
==========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0