ኣብ የመን፣ ኣብ ደብዳብ ተዋፊራ ዝነበረት ነፋሪት ውግእ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ተሰዊራ

ኣብ የመን፣ ኣብ ደብዳብ ተዋፊራ ዝነበረት ነፋሪት ውግእ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ተሰዊራ

Radio Erena: 15 March 2016

EM jet

ኣብ የመን ደብዳብ እተካይድ ዝነበረት ነፋሪት ውግእ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ተሰዊራ።

ላዕለዋይ ወትሃደራዊ እዚ እታ ሃገር ብዘውጽኦ መግለጺ መሰረት፣ እታ ነፋሪት ንወትሃደራዊ ተልእኾ ድሕሪ ምብራራ’ያ ተሰዊራ።

ኣብ ጎቦታት እታ ሃገር ነፋሪት ውግእ ክትወድቕ ከምዝተዓዘቡ ዝጠቐሱ ምንጭታት የመን ከኣ ብጸረ ነፈርቲ ተቓወምቲ ሑቲ ተሃሪማ ክትከውን ከምእትኽእል ይገልጹ።

ብስዑዲ ዓረብ ዝተመርሐ ወትሃደራዊ ኪዳን ኣብ የመን መጥቃዕቲ ካብ ዝጅምር፣ ዛጊት ኣርባዕተ ነፈርቲ ውግእ ከሲሩ ኣሎ።

እቲ ኪዳን፣ ጠንቂ ምውዳቕ እተን ነፈርቲ “ቴክኒካዊ’ዩ “ክብል’ዩ ዝገልጾ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0