ፕረዚደንት ኢኳቶርያል ጊኒ፣ ኣብ ስልጣን ዝመጸሉ መበል 40 ዓመት ጸንቢሉ

Radio Erena:- 14 August 2019

ፕረዚደንት ኢኳቶርያል ጊኒ፣ ቲዮዶር ኦብያንግ ባሳጎ ንግዌማ፣ ናብ ስልጣን ዝመጸሉ መበል 40 ዓመት ጸንቢሉ።

ካብ ዘለዎ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ዝነውሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ኢኳቶርያል ጊኒ፣ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 1979’ዩ ንኣክኡ ብዕልዋ ኣልይዎ።

ኣብዚ ን40 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሓሉ፣ ነዊሕ ግዜ፣ ብውሕዱ 10 ግዜ ፈተነ ዕልዋን ቅንጸላን ተኻይድሉ።

77 ዓመት ዝዕድሚኡ ፕረዚደንት ንጉዌማ፣ ምክትሉ ንዘሎ፣ ወዲ 51 ዓመት ቦኽሪ ወዱ ቲዮዶሪን ስልጣን ከሰጋግረሉ ኣብ መስርሕ ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ምንጭታት እታ ሃገር ይሕብሩ።

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ንእሽቶ ሃገረ ኢኳቶርያል ጊኒ፣ ካብ 1990 ኣትሒዛ ነዳዲ ካብ ዘፍርያ ሃገራት ክትከውን እኳ እንተበቅዐት፣ ሓንቲ ካብ ድኻታት ሃገራት ዓለም ካብ ምዃን ግና ኣይደሓነትን።

ንፕረዚደንት ኢኳቶርያል ጊኒ ስዒቦም፣ ፕረዚደንታት ካሜሮን፣ ጊኒ ቢሳው፣ ኡጋንዳ፣ ቻድን ኤርትራን ብቅደም ተኸተል፣ ንልዕሊ 28 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከቡ መራሕቲ ናይዛ ብድሕረት፣ ስደት፣ ድኽነትን ምልክን እትልለ ኣህጉር ኣፍሪቃ’ዮም።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0