ኣስመራን ከባቢኣን፣ ኣብ ክልተ ኣዋርሕ፣ 588 ሓደጋታት ተሽከርከርቲ ኣጋጢሙ

Radio Erena:- 14 August 2019

ኣብ ኤርትራ፣ ዞባ ማእከል፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሓት ሰነን ሓምለን ጥራይ፣ 588 ሓደጋታት ተሽከርከርቲ ከምዘጋጠመ ንጸብጻብ ፖሊስ ትራፊክ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ሓቢሩ።

እዚ ማለት፣ ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን መዓልታዊ ካብ 8 ክሳብ 10 ሓደጋታት የጋጥም ኣሎ።

በቲ ኣብዘን 60 መዓልታት ዘጋጠመ ሓደጋ፣ ትሽዓተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፣ ኣስታት 130 ሰባት ከኣ ኣካላዊ ጉድኣት ከምበጽሖም እቲ ጸብጻብ ይጠቕስ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ፣ እቲ ሓደጋታት ኣስታት 6 ሚልዮን ናቕፋ ዝግመት ናይ ንብረት ክሳራታት ኣስዒቡ።

ኤርትራ፣ ጻዕቂ ህዝቢ ይኹን ተሽከርከርቲ ዘይብላ ክነሳ፣ ብዘጋጥም ብዝሒ ሓደጋታት ግና ምስ ቀዳሞት’ያ ትስራዕ።

እቲ ኣውራ ጠንቂ ናይዚ ድማ፣ መስተ ሰቲኻ መኪና ምዝዋር፣ ሕግታት ትራፊክ ዘይምኽባር፣ መኪና ንምምራሕ ፍቓድ ዘይብሎም ሰባት ብዝዝውርወን መካይን፣ እርጋን መካይን ጽርግያታትም ምዃኑ ጸብጻባት ትራፊክ እታ ሃገር የመልክቱ።

ስእሊ፣- ጋ/ሓ/ኤርትራ

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 2
  • comment-avatar
    ጸሃየ ቀለታ 5 years ago

    ዝኸበርኩም ኣሕዋት ኣዳለውቲ ራድዮ ኤረና ንኩሉ ትሕዝቶ ረዲዮኩም እናኣድነቅኩ መዓልታዊ ተካታተሊኹም ኮይነ ኣብ ገለ ቃላት ትግርኛ ይሓይሽ ዝብሎ ሕሹኽ ትብለኩም ንሳ ከኣ ተሽከርከርቲ ትብል ተንቃሳቀስቲ መካይን እንተትብልዋ ምሓሸ ይብል። ምኽንያቱ ተሽከርከትርቲ ጽርይቲ ኣምሓርኛ እያ መስለኒ። ሓውኹም ጸሃየ ቀለታ ሽወደን

  • comment-avatar

    MekafeEti. Insulting the eritrean gov. and state is your job. Your master is of course France. You are only a puppets like the guys in Djibouti city. N,Uqat