ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ኣቶ ግርማ ወልደጊዮርግስ ንመንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያ ናብ ናይ ዘተ መኣዲ ከቐራርብ’የ ከምዝበሉ ተገሊጹ

ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ኣቶ ግርማ ወልደግዮርግስ፣ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ መኣዲ ዘተ ንምቕርራብ ተበግሶታት ክወስድ’የ ከምዝበሉ ጋልፍ ኒውስ ኣብ ናይ ቛንቛ ዓረብ ትሕዝቶኡ ገሊጹ።

 

ዕድመ ደፊኦም ዝርከቡ ኣቶ ፕረዚደንት ግርማ ወልደግዮርግስ፣ ናይ 12 ዓመት ስልጣኖም ከብቕዕ ሒደት ግዜ ተሪፍሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዮም ነዚ ሓሳብ እዚ ዘቕርቡ ዘለዉ።

እዚ ብጋልፍ ኒውስ ዝቐረበ ሓበሬታ፣ ሬድዮ ድምጺ ኣመሪካ’ውን ኣብ ናይ ቅድሚ ትማሊ ፈነውኡ ኣረጋጊጽዎ ኣሎ።

ኣብ ቅዋም ኢትዮጵያ ስልጣን ፕረዚደንት ስማዊ ኮይኑ ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ዝኾነ ጽልዋ የብሉን።

እዚ ናይ ፕረዚደንት ግርማ ወልደግዮርግስ ሓሳብ’ውን ካብ ሰናይ ድሌት ዝተበገሰ ደኣ’ምበር ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተበግሶ ከምዘይኮነ’ዩ ዝግለጽ።

መንግስቲ ኤርትራ’ውን ንተበግሶ ናይቶም ወዲ 79 ዓመት ፕረዚደንት ግርማ ወልደግዮርግስ ከምዘይቕበሉ ሓያሎ ወገናት ይሰማምዑ።

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብደቡብ ሱዳንን ካልኦት ግዱሳትን ዝተወስደ ተበግሶታት’ውን እወታዊ ምላሽ ኣይሃበሉን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብቲ ብኮሚሽን ዶብ ዝተረጋገጸ ኣህጉራዊ ብይን ዝተዋህበሉ ሉኣላዊ መሬት ኤርትራ ከይሰሓበት ምስቲ መንግስቲ ቀጥታዊ ይኹን ብተዘዋዋሪ ዝኾ ዓይነት ዝርርብ ከምዘየካይድ መንግስቲ ኤርትራ ደጋጊሙ ኣፍሊጡ’ዩ።

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0