ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ዶር. ሙላቱ ተሾመ፣ ወኪል ኢጋድ ኣብ ምርጫ ኬንያ ኮይኑ ተመዚዙ

Radio Erena: 17 July 2022

በይናዊ በዓል ስልጣን ንምዕባለ (ኢጋድ)፤ ኣብ ኬንያ ንዝካየድ ምርጫ ዝሳተፍ ተዓዛቢ ጉጅለ ዝመርሕ በዓል ስልጣን መዚዙ።

ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ዶክተር ሙላቱ ተሾመ፤ ብዕለት 14 ሓምለ ነዚ ዕማም ክመርሕ ኣብ ዝተመዘዘሉ ኣብ ዝሃቦ ቃል፤ ንህዝቢ ኬንያ ጽቡቕ ዕድል ብምምናይ፤ እቲ ተኣፋፊ ናይ ምርጫ እዋን ብሰላም ክሓልፍ ምንዮቱ ገሊጹ።

እዚ ኢጋድ መዚዙዎ ዘሎ ተዓዛቢ ጉጅለ፤ ካብ እዋን ጎስጓስ ጀሚሩ፤ ናይ ምርጫ ግዜ ተወዲኡ፤ ክሳብ ድምጺ ተቖጺሩ ውጽኢቱ ዝንገር፤ ጽዑቕ ምክትታል ክገብር ትጽቢት ይግበረሉ።

ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ወርሒ ሰነ፤ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ምርጫ ኬንያ ዝሳተፍ ተዓዛቢ ጉጅለ ምልኣኹ ይዝከር። እቲ ብስሎቫኪያዊ ኢቫን ስቴፋነክ ዝተመርሐ ተዓዛቢ ጉጅለ፤ ኣብ 27 ሰነ ናይሮቢ ካብ ዝኣተወሉ እዋን ጀሚሩ፤ ምስ ሕጹያት ተወዳደርቲ፤ ኮሚሽን ምርጫ ኬንያ፤ ተጣበቕቲ መሰላትን ፖለቲከኛታትን ይዘራረብ ከምዘሎ ይግለጽ።

እቲ ብሕብረት ኤውሮጳ ዝተላእከ ተዓዛቢ ጉጅለ፤ ድሕሪ 9 ነሓሰ ምርጫ ምስ ተዛዘመ፤ ንዝህሉ ካብ ሕጹያት ተወዳደርቲ ዝቐርብ ጥርዓናት እውን መጽናዕቲ ብምክያድ፤ ናብቲ ሕብረት ጸብጻቡ ከቕርብ እዩ።

ጂቡቲ፤ ሱዳን ኤርትራ፤ ኢትዮጵያ፤ ኬንያ፤ ሶማል፤ ደቡብ ሱዳንን ዩጋንዳን ዝኣባላቱ ኢጋድ፤ ክውክሎ መዚዙዎ ዘሎ ፕረዚደንት ነበር ዶክተር ሙላቱ ተሾመ፤ ምርጫ ኬንያ ናጻን ርትዓዊን ምዃኑ ንምርግጋጽ ምሉእ ብቕዓት ኣለዎ ኢሉ።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0