ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ መንጎ ቀቢላታት ብዝተወለዐ ግጭት፤ 31 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 17 July 2022

ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ መንጎ ቀቢላታት ብዝተወለዐ ግጭት፤ ብውሑዱ 31 ሰባት ተቐቲሎም።

ኣብቲ ኣብ መንጎ በርቲን ሃውሳን ዝተባህሉ ክልተ ቀቢላታት ዝተወለዐ ግጭት፤39 ሰባት እውን ብጽኑዕ ቆሲሎም ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም ከምዘለዉ፤ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን።

ነቲ ኣብ ግዝኣት ብሉ ናይል ዝተወለዐ ግጭት ንምህዳእ፤ ሰራዊት ሱዳን ኣብቲ ከባቢ ተዋፊሩ ምህላዉ እዩ ዝግለጽ። ምምሕዳር’ቲ ግዝኣት ሰዓታት እቶ እቶ ክእውጅ እንከሎ፤ ሰባት ምእካብ ዝእግድ፤ ንሓደ ወርሒ ዝጸንሕ፤ ትእዛዝ እውን ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

ብኻልእ ወገን ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝተወለዐ ዶባዊ ግጭት ንምሽምጋል፤ ደቡብ ሱዳን ተበግሶ ወሲዳ ከምዘላ ኣፍሊጣ።

ቀዳማይ ምኽትል ፕረዚደንት ሪክ ማቻር ኣብ ደቡብ ሱዳን ንዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፤ ምስ ግብጺ፤ ሱዳንን ኢትዮጵያን ጽቡቕ ዝምድና ስለዘለና፤ ነቲ ናይ ሽምግልና መስርሕ ብዘይ ወገንነት ከነካዪዶ ምሉእ ብቕዓት ኣለና ኢሉ።

ደቡብ ሱዳን፤ ዶባዊ ግጭት ሱዳንን ኢትዮጵያን ብዘተ ንኽዓርፍ ይሕግዝ’ዩ ዝበለቶ እማመ ከምዘዳለወት፤ ብተደጋጋሚ ክትገልጽ ጸኒሓ እያ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0