ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዑደት የካይድ

Radio Erena: 12 October 2016

UAE Issaias

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ትማሊ ሰሉስ 11 ጥቅምቲ፣ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ኣቡዳቢ ምብጻሕ ብምክያድ ምስ ወራሲ ዓራትን ምክልትል ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊትን ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ተዘራረቡ።

ኣብቲ ሓያሎ ካልኦት ሰበ ስልጣን ኣቡዳቢ ዝተረኽብሉ ርክብ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሸኽ ኣል ናህያንን፣ ብዛዕባ’ቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ወትሃደራዊ ስርሒት የመን ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝገብሮ ዘሎ ምትሕግጋዝ ብምዝልከት ዘትዮም።

ብዘይካ’ዚ’ውን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንኤርትራ ኣብ እትሕግዘሉ ጽላታት ዘተኮረ ምይይጥ ከምዘካየዱ ካብ ሃገር ዝተመሓላለፈ ሓበሬታ የረጋግግጽ።

 

=============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0