ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ግብጺ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም

Radio Erena: 29 November 2016

Isu Alsisi

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ትማሊ 28 ሕዳር ናብ ግብጺ ከምዘምርሐ ተሓቢሩ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ግብጺ ወግዓዊ ምብጻሕ ናይ ስራሕ ዝፍጽም ዘሎ፣ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት ምዃኑ መግለጺ መንግስቲ ኤርትራ ይሕብር።

ግብጺ፣ ብጉዳይ ሶርያ ምስ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ምስሓብ ኣብ እትርከበሉ እዋን’ዩ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብታ ምብጻሕ ዝፍጽም ዘሎ።

ኣብቲ ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ዘካይዶ ርክባት፣ ኣብ ኣብ ህሉው ዝምድና ግብጽን ኢትዮጵያን፣ ህሉው ኩነታት ስዑዲ ዓረብን የመንን ክዝቲ ምዃኑ ማዕከናት ዜና ዓረብ ይጠቕሳ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ብፍላይ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ጉዳያት ኒልን ኣብታ ሃገር ዝተላዕለ ተቓውሞታት ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ብሰፊሑ ክመያየጥ ግምታት ከምዘሎ ዝሓበራ ካልኦት ማዕከናት ዜና ግብጺ ከኣ ኣብ ወትሃደራውያን ካልእን ዘተኮረ ናይ ምትሕግጋዝ ስምምዕ ከካይዱ ምዃኖም የመልክታ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጎሃሃረ ተቓውሞ፣ ብፍላይ ናዕቢ ህዝቢ ኦሮሞ፣ “ብመንግስታት ኤርትራን ግብጽን ዝተደገፈ’ዩ” ክብል’ዩ መንግስቲ ኢትዮጵትያ ዝወቕስ።

ግብጺ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘሰሓሕባ ጉዳይ ኒል ብሰለማው መንገዲ ንምፍትሑ ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን ጻዕርታት ተካይድ ከምዘላ ትገልጽ እኳ እንተኾነት፣ ኣንጻር እቲ መንግስቲ ንዝቃለሱ ተቓወምቲ ትድግፍ ምህላዋ’ውን ይንገር።

ካብ ስዑዲ፣ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራት ዓረብን ገዚፍ ምወላ ዝግበረላ ግብጺ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ጉዳይ ሶርያ ብዝወሰደቶ መርገጺ፣ ኣብ ከቢድ ፈተና’ያ ትርከብ።

ፕረዚደንት ኣል ሲሲ፣ ነቲ ብሩስያ ዝሕገዝ መንግስቲ ባሻር ኣልኣሳድ ከምዝድግፍ ብወግዒ ድሕሪ ምግላጹ፣ እታ ንተቓወምቲ ኣሳድ እትድግፍን ንምትእትታው ሩስያ ድማ እትቃወምን ስዑዲ ዓረብ ናብ ግብጺ እትልእኮ ዝነበረት ነዳዲን ካልእ ሓገዛትን ጠቕሊላ ደው ኣቢላቶ።

ኣብ ጉዳይ የመን ብሓባር ክሰርሓ ልፍንቲ ዘቖማ ስዑዲ ዓረብን ግብጽን፣ ብሰንኪ ሶርያ ድሕሪ ምስሓሐበን፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ናብ ስዑዲ’ዩ ኣምሪሑ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዑደቱ፣ ስዑዲ ዓረብ ብጉዳይ የመን ምስ ኤርትራ እትገብሮ ዘላ ወትሃደራዊ ምድግጋፍን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክፈጥሮ ዝክእል ሻቕሎታትን ሓደ ካብ ዘልዓሎ ኣርእስታት ክኸውን እንከሎ፣ ግብጺ ንተቓወምቲ ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ዝወሰደቶ ስጉምቲ’ውን ከምዝተዘርበሉ ምንጭታት ዜና ኢትዮጵያ የመልክቱ።

ብጉዳይ የመን ምስ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ኣብ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ዝተመርኮሰ ስልታዊ ዝምድና መስሪቱ ዝርከብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ዑደት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናብ ስዑዲ ዓረብ’ዩ፣ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት ናብ ግብጺ ገይሹ ዘሎ።

ፕረዚደንት ኣልሲሲ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብታ ሃገር ዝገይሽ ዘሎ ንኻልኣይ እዋኑ ኮይኑ፣ ፈላሚ ዑደቱ ኣብ መስከረም 2014 ምንባሩ ይዝከር።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ 12 ኣዋርሕ ናብ ኣርባዕተ ሃገራት ጥራይ ዑደት ከካይድ እንከሎ፣ ኣርባዕቲኤን ሃገራት ዓረብ’የን።

በንጻር እዚ ድማ ኣብ ዓመተ 2016 ናብ ኤርትራ ዑደት ዘካየደ መራሒ ሃገር ኣይነበረ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0