ኣብ ከባቢ ሽዕብ ዝተራእየ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ሓረስቶት ሻቕሎት ፈጢሩ

Radio Erena: 29 November 2016

Desert Locust

ኣብ ከባቢታት ሽዕብ ዝተራእየ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ሓረስቶት ከቢድ ሻቖሎት ፈጢሩ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ሳላ ዝነበረ ጽቡቕ ክራማት፣ ህጡር እቶት ክጽበዩ ዝጸንሑ ሓረስቶ ሽዕብን ከባቢኣን፣ ተራእዩ ዘሎ ዕስለ ኣንበጣ ግና ከቢድ ሻቕሎት ኣሕዲርሎም ከምዘሎ ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፣ ንምምሕዳርን ኣካላት ሚኒስትሪ ሕርሻን፣ ጸረ ኣንበጣ ሓገዝ ክገብረሎም ህጹጽ ጻውዒት ኣቕሪቦም ከምዘለዉ ኣመልኪቱ።

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ናይ ምድረበዳ ዕስለ ኣምበጣ ዝረኣየላን ሃገር ከም ምዃና መጠን መንግስቲ ወትሩ ምድላዋት ክገብር ውድብ መግቢ ዓለም ይኹን ክኢላታት ሕርሻ ወትሩ’ዮም ዘጠንቅቑ።

እንተኾነ ሚኒስትሪ ሕርሻ፣ ሓንሳእ ብዋሕዲ ዓቕሚ ሰብ ካልእ እዋን ከኣ ብሰንኪ ዋሕዲ ጸረ ኣንበጣን መሳርሒታትን እናመኻነየ፣ ከምቲ ዝግባእ ምድላዋት ከምዘይገብረሉን፣ ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ንምዕባጡ ድማ ከምዝቃለስን እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣረዲኦም።

ኣብዚ ናይዚ ዓመት እዚ ዝነበረ እኹል ዝናብ፣ ተስፋ ጽቡቕ እቶት እኳ እንተሃበ፣ ዝበዝሑ መንእሰያት ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተጸሚዶም ምስ ምህላዎም፣ ሓረስቶት ስድራቤታት ዝጽህን ዝዓጽድን እኹል ዓቕሚ ሰብ ብዘይምርካቦም ዝኸበደ ሻቕሎት ኮይንዎም ምህላዉ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ጽላት ሕርሻ እቲ ቀንዲ መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ዝሽፍን ቁጠባዊ ዓውዲ ይኹን ደኣ’ምበር፣ ሓረስቶት ብሰንኪ ግዱድ ዕስክርና ሃገራዊ ኣገልግሎት ንማሕረስን ዓጺድን እኹል ጉልበት ስለ ዘይረኽቡ፣ ኣዴታትን ኣረግቶትን ብወፈራ ምህርቲ ክሓፍሱ ዝረኣይሉ ግዜ ብዙሕ እዩ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0