ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ግብጺ ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ወፍሪ ኣፍሪቃ ክሳተፍ ካብ ፕረዚደንት ኣል  ሲሲ  ዕድመ ቀሪብሉ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ግብጺ ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ወፍሪ ኣፍሪቃ ክሳተፍ ካብ ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ዕድመ ቀሪብሉ

Radio Erena: 19 Januray 2016

Al si si Isi

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ግብጺ ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ወፍሪ ሃገራት ኣፍሪቃ ንኽስታፈ ካብ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣል ሲሲ ዕድመ ቀሪብሉ።

ኣብቲ 20 ለካቲት 2016 ኣብ ከተማ ሰርም ሰኽ ዝካየድ ዋዕላ ወፍሪ ኣፍሪቃ ዛጊት 21 መራሂት ሃገራት ኣፍሪቃ ክሳተፉ ምዃኖም ክረጋገጽ እንከሎ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ግና ምስታፉ ኣጠራጣሪ’ዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ህንዲ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ህንድን ኣፍሪቃ፣ ኣብ ማልታ ኣብ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ዋዕላ ስተኛታት ከምኡ’ውን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣፍሪቃን ቻይናን ንኽሳተፍ ዕድመ ይቐርበሉ እኳ እንተነበረ፣ ብኣካል ክሳተፍ ከምዘይክኣለ ይዝከር።

 

ኣብዚ 10ታት መራሕቲ ሃገራት ዓለም ዝተረኽብሉ ኣገደስቲ ዞባውን ኣህጉራውያን ዋዕላታት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ’ዩ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ብምውካል ተሳቲፉ።

ኣብዚ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኣብ ግብጺ ዝካየድ ዋዕላ’ውን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብኣካል ከምዘይሳተፍ ዝተፈላለዩ ወገናት ርእይቶታቶም ይህቡ ኣለዉ።

ኣብዚ’ዚ ናይ ግብጺ ዋዕላ፣ ብዘይካ’ቶም ክሳተፉ ምዃኖም ዘረጋገጹ 21 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ 91 ሚኒስተራት፣ ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን ሓለፍቲ ዞባዊ ውድባትን ፊናንስያውያን ትካላትን ክሳተፉ ትጽቢት ይግበረሉ።

ዕላማ’ዚ ኣብ ግብጺ ዝካየድ ዋዕላ፣ ናጻ ናይ ንግዲ ቦታ ንምኽፋትን ውሁድ ቁጠባን ወፍርን ንምትብባዕን ዝዓለመ’ዩ።
========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0